Home ዜና ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላው...

ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላው ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዩ።

525

ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላው ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዩ።

ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓ ዶ/ር ስቴፋን ሎክን ብኣምባሳደር ፈረንሳይ ኢትዮጵያ ረሚ ማርቻኩስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባባላ ተገይርሎም።

እቶም ልኡኻት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃኒሒት ስራሕ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ከምዘሳልጡን ብኩናት ንዝተሃሰየ ሓረስታይ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ከምዝገብሩን ኣረዲኦም። እቲ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ትግራይ ብፕሮጀክት ንዝሓዝወን 27 ወረዳታት ብሓገዝ ከምዝወሃብ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#ኢያሱ በርሀ