Home ዜና ብልዕሊ 47 ሚልዮን ቕርሺ ምገባ ተምሃሮ ከም ዝተጀመረ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ብልዕሊ 47 ሚልዮን ቕርሺ ምገባ ተምሃሮ ከም ዝተጀመረ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

490

ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጄኖሳዪዳዊ ኲናት ተምሃሮ ትግራይ ትምህርቲ ከምዝጀመሩ ይፍለጥ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀባ ኣብ ልዕሊ ምጥሓሉ ርዳእታ ምስተቛረፀ ድማ ዝበኣሰ ፅንተት ኰይንዎ ኣሎ። ብፍላይ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከቋርፁ ይግደዱ ኣለዉ።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ እዚ ፀገም ንምፍታሕ 47 ሚልዮን ቕርሺ ብምምዳብ ካብ ዜሮ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዝመሃሮ ንልዕሊ 55 ሽሕ ተምሃሮ መደብ ምገባ ከምዝጀመረ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ሓቢሮም።እዚ መደብ ዕድል ሰራሕ ወገናት ዝፈጥርን ካልኦት ከተማታት ትግራይ ተመክሮ ዝወስዳሉን ከምዝኾነ እውን እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

እቲ ምገባ ተምሃሮ ኣብ ሸውዓቲኤን ክፍላተ ከተማ መቐለ መዓልታዊ ዝትግበር መደብ ኰይኑ ኣብ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝርከብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኪሮስ ገሰሰ ድማ ዕላው ኰይኑ ኣሎ። ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ክፍሎም ገብረኣረጋዊ መደብ ምገባ ተምሃሮ ምጅማሩ ብሰንኪ ጥሜት ዘቋረፁ ተምሃሮ ትምህርቶም ክቕጽሉን ፅፈት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ እውን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላፁ ፤ ብዘይ መሃያ ዘምህር ዘሎ መምህር ድማ ህጹጽ ፍታሕ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቦም።

ዘርኢ ገ/ሊቦኖስ ቢዝነስ ግሩፕ ነዚ ተግባር ብወለንተናዊ ተበግሶ ኣብ ሓደ ክፍለ ከተማ ዘለው ተምሃሮ ኣነ ክምግብ ኢሉ ዝጀመሮ ኮይኑ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣብያተ ዕዮን ሰብ ሃፍትን እውን እጃሞም ክዋፅኡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፃዊዒት ኣቕሪቡ።\

#ኤፍሬም_ረደሀይ