Home ዜና ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ተጎጓ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፈ ህዝብናን...

ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ተጎጓ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፈ ህዝብናን ምእንተ ትግራይ ዝተኸፈለ መስዋእትን ከቢድ ስለዝኾነ ነዚኦም ንምዝካርን ካሕሳ ስውኣትና ንምድባስን ስሉጥ ልምዓት ምርግጋፅ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

582

ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ተጎጓ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፈ ህዝብናን ምእንተ ትግራይ ዝተኸፈለ መስዋእትን ከቢድ ስለዝኾነ ነዚኦም ንምዝካርን ካሕሳ ስውኣትና ንምድባስን ስሉጥ ልምዓት ምርግጋፅ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምሕላዉን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዳግመ ሕወየት ትግራይ ንምርግጋፅ በርቲዕና ክንሰርሕን ብፍላይ ድማ ናይ ህዝብና ዝተወደበ ምንቅስቓስ ብምጥቃም ብወረርቲ ዝዓነወት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ክንሃንፃ ኢና ኢሎም።

ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ብትሉም ኣገባብ ከም ዝዓነወት ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ንምህናፅ ድማ መንግስቲ ትግራይ ንሰብ ሃፍቲ ዝምቹ ኣሰራርሓ ኣዳሊዩ ይሰርሕ ከም ዘሎን ንምትሕብባር ቁሩብ ምዃኑን እውን ሓቢሮም።ትግራይ ሰላማ ዉሑስ ንምግባር ምስ ኩሉ ኣካል ሰላማዊ ልዝብ ምክያድ ጉቡእ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት ልምዓታን ሰላማን ውሕቲ ዝኾነት ትግራይ ንምህናፅ ከም ቶጎጋ ዝበሉ ኣክስዮኖት ክበዝሑ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።

ሰማእታት እንትንዝክር ስድራ ስዋኣትን ጉዱኣት ኲናትን ምሕብሓብ መንግስቲ ይሰርሕ ከም ዘሎን ኩሉ ትግራዋይ ድማ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃሙ ከወፊ ኣተሓሳሲቦም። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ቶጎጓ ብፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ስዒቡ ዝጠፈአ ህዝቢ እንድብሰሉ ብልምዓት ስለ ዝኾነ ናይ ስውኣትና ሓደራ ሒዝና ንቕድሚት ክንምርሽ ኢና ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ መወዳእታ “ድሕሪ እዚ ኩሉ ወፅዓን መስዋእትን ሰማእታትና ብልምዓት ንምድባስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሃፍቲ ብዝተወደበ መልክዑ ንምጥቃም ኣብ ዝግበር ልምዓት ማሕበራዊ ተሳትፎ ምርግጋፅ፣ ንቲ ልምዓት ካብ መሬቶም ዝለዓሉ ሰባት ሃፍቲ ክረኽቡ ምግባርን ኣባላት እቲ ማሕበር ተረባሕቲ ብምግባርን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጋ መርኣያ ክትኾኑ ይግባእ” ድማ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ቶጎጓ ብልዕሊ 17 ቢልዮን ብር ፋብሪካ ስሚንቶ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ሰረት ሎሚ 15 ሰነ ኣብ ዘንበርሉ እዋን እዩ። #ብዮሃንስ ብርሃነ