Home ዜና ብሕማም ካንሰር ኩላሊት ትሳቐ ዘላ ህፃን

ብሕማም ካንሰር ኩላሊት ትሳቐ ዘላ ህፃን

519

ብሕማም ካንሰር ኩላሊት ትሳቐ ዘላ ህፃን

ንልዕሊ 9 ኣዋርሕ ብሕማም ኩላሊት ካንሰር ኣብ ስቓይ ይርከብ፦ህፃን እየሩሳሌም

ጓል 6 ዓመት ህፃን እየሩሳሌም በዛብህ ነባሪት ከተማ ዓዲግራት እያ፡፡ብሕማም ኩላሊት ካንሰር ን9 ኣዋርሕ ኣብ ስቓይ ዘላ ኮይና ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ክትትል ሕክምና ትርከብ፡፡ ተስፋ ፅባሕ ሰኒቓ ናብ ሙሉእ ጥዕናይ ክምለስ ኢላ ኣብ ሕክምና ዘላ ህፃን እየሩሳሌም እቲ ሕማም ኣብ ከብዳ ሕብጠት ፈጢሩ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ስቓይ ከም ዘላ ወላዲታ ወ/ሮ ይርጋለም ዘርኡ ትገልፅ፡፡

ኣብቲ ሪፈራል ሆስፒታል ስፔሻሊስት ሕክምና ህፃናትን ኣባፅሕን ዝኾና ዶ/ር እንግዳሸት ታዘበ ህፃን እየሩሳሌም ዝሓዛ ካንሰር ብሕክምና ክድሕን ዝኽእል ምዃኑን ናይዛ ህፃንን ካልኦት ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ተሓከምቲ ሕማም ካንሰር ንምሕካም ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ፀገም ቀረብ መድሓኒት ካንሰር ክፍታሕ ከም ዘለዎ ይዛረባ፡፡

ንህፃን ኢየሩሳሌም ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዛን ዝነብሩ ግዱሳት ማሕበር ሹፌራት ተጋሩ ንመሐከሚኣ ዝኸውን 180 ሽሕ ብር ድጋፍ ዝገበሩላ ብምምስጋን ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ሓገዝ ክገብረላ ወ/ሮ ይርጋኣለም ዘርኡ ትፅውዕ::

እዚ ከም ኣብነት ህፃን እየሩሳሌም ገሊፅና እምበር ብሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ብከበድቲ ሕማማት ዝሳቀዩ ህፃናት ትግራይ ብርክት ዝበሉ እዮም፡፡

#ሃፍታይ_ባህረ