Home ዜና ”ብመንፅር ስሕበት ናይቲ ፀገምን ኣብ ባይታ ዝውስኽ ዘሎ ጭቡጥ መርትዖታትን ተመርኵስና ኩሎም...

”ብመንፅር ስሕበት ናይቲ ፀገምን ኣብ ባይታ ዝውስኽ ዘሎ ጭቡጥ መርትዖታትን ተመርኵስና ኩሎም ገበነኛታት ድሕረ ባይታኦም ወይ ደረጅኦም ብዘየገድስ ብሕጊ ክሕተቱ ልዑል ደረጃ ዘለዎ መርመራ ጀሚርና ኣለና” ፕሬዘዳንት ጌታቸዉ ረዳ

647

ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ መረባ መራኽቦ ትዊተሮም ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብዲፕሎማሰኛታት፣ ወከልቲ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ትካላትን ብዓቢኡ ድማ ብዓበይቲ መራሕቲ ማሕበረሰብ ትግራይን ኣብ ጉዳይ ክፍፍል ሓገዛት ርእይቶ ክቐርቡ ከም ዝቐነዩ ሓቢሮም ። ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ብመንፅር ስሕበት ናይቲ ፀገምን ኣብ ባይታ ዝውስኽ ዘሎ ጭቡጥ መርትዖታትን ተመርኵስና ኩሎም ገበነኛታት ድሕረ ባይታኦም ወይ ደረጅኦም ብዘየገድስ ብሕጊ ክሕተቱ ልዑል ደረጃ ዘለዎ መርመራ ጀሚርና ኣለና ኢሎም ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብብዙሕ ዘርፍታት ዝገብርኦ ዘለዋ ረድኤት ብምቕጻል ህይወት ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምድሓን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅልዎ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ፀዊዖም። ኤጀንሲ ረድኤት ምግቢ ሕቡራት ሃገራት WFP፣ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዝጠልብ ህዝቢ ዝኸዉን ቀረብ ምግቢ ተሰሪቑኒ እዩ ብምባል ናብ ትግራይ ዘብፅሖ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፀ ኣሶሼትድ ፕረስ ትማሊ ፀብፂቡ ኢዩ ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ሎሚ 25 መጋቢት 2015 ዓ/ም ኣብ ዙርያ ምኽባር ሕጊ መምርሒ ዘመሓላለፉ እንትኾን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሕሱም ፀገምን ምምዝባልን ወዲቑ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ዝርከብ ህዝብና ሂወቱ ንምድሓን ብገብርቲ ሰናይ ዝመፅእ ሓገዝ ብዘይኣግባብ ምምሕዳር፣ ምጥፍፋእን ናብ ዕደጋ ምውፃእን የጋጥም ብምህላው ኣብ ህዝብናን ለገስቲ ኣካላትን ሰፊሕ ቅርታታት ክልዓል ፀኒሑን ኣሎን ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ድማ እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ብሓለንጊ ጥምየት ዝግረፉ ዘለዉ ህፃናት፣ ኣረጋውያን፣ ኣካል ጉዱኣትን ብሕዱር ሕማም ዝሳቐዩ ወገናትናን ዝፍፀም ዘሎ ተደራቢ በደልን ገበንን ብምዃኑ ስለዚ ነዚ ገበን ከም መንግስትን ህዝብን ክንዕገሶ ስለዘይንኽእል ዝኾነ ይኹን ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሮም ዝፍፀሙ ጥፍኣታት ንምክልካልን ኣፃሪኻ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ዘኽእል ክልላዊ ሓይሊ-ዕማም ተጣይሹ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሞት ፈሪዶም ገበን ዝፍፅሙ ዘለው ኣካላት ተሓታትነት ክተረጋግፁን የፍልጥ ክብሉ መምርሒ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ