Home ዜና ብምትሕብባር ላዕላዋይ ቤት ፍርድን ጀስቲስ ፎር ኦልን ኣብ ከተማ መቀለ ክካየድ ዝቀነየ...

ብምትሕብባር ላዕላዋይ ቤት ፍርድን ጀስቲስ ፎር ኦልን ኣብ ከተማ መቀለ ክካየድ ዝቀነየ መድረኽ ዳያኑ፣ ሬጅስተራር፣ ሹመኛታት ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑን ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈታት ኣብያተ ፍርድን ሕብተሰብ ዘለዎ ጠለብ ዳይነት ንምርዋይን ስረሖም ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ሓጋዚ ምዃኑ ኣካላት ፍትሒን ዳይነትን ገሊፆም።

244

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ  ዘጋጠመ ኩሉ መዳይ ፀገም ዝፍተሓሉ ሜላ ንምእላሽ ብምትሕብባር ላዕላዋይ ቤት ፍርድን ጀስቲስ ፎር ኦልን  መድረኽ ኩሎም ዳያኑ፣ ሬጅስተራር፣ ሹመኛታት ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑን ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ትግራይን ዘተ ተኻይዱ ።

ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ  ቀፃሊ ስራሕቶም ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንኽቅፅሉ ዘለዎም ሕፅረት በጀት ክፍታሕ ይግባእ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ።

ብርክት ዝበሉ ዳያኑ በቲ ኩናት ብዘጋጠሞም  ከቢድ  ቁጠባዊን፣ ስነልቦናዊን  ሃሰያ  ፍልሰት የጋጥም ከምዘሎን ነዚ ንምዕጋት ድማ ነፃነትን ረብሓን ዳያኑ ከኽብር ይግባእ ኢሎም።

ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ  ኲናት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ትግራይ  ዘጋጠመ ኩሉ መዳይ ፀገም ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ  እቲ መድረኽ ዘተ ሕብተሰብ ዘለዎ ጠለብ ዳይነት ንምርዋይ ስረሖም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቃል ዝኣተዉን ቀፀልቲ ኣንፈታት ዘቀመጥሉ መድረኽ ከምዝነበረ  ኣረዲኦም ።

ምክትል ፕሬዚደን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣይተ ገ/ኣምላኽ የዕብዮ ዘለዉ ወድዓዊ ፀገማት በቢብርኩ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ መሓዉራት ላዕለዋይ ቤት  ፍርዲ ትግራይ ብሰንኪ ኩናት ናብ ባይታ ወሪድካ ዘይምስራሕ ፀገማት ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ፕሬዚደንት ሕዚ ግና  መሓዉሩ ብምጥንኻር  ንሕብረተሰብ  ግቡእ ግልጋሎት ንምሃብ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

   ብ እየሩሳሌም ገ/መድህን