Home ዜና ብምትሕብባር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ኢማጅን ዋን ደይን ኣብ 17 ወረዳታት ትግራይ ብ232...

ብምትሕብባር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ኢማጅን ዋን ደይን ኣብ 17 ወረዳታት ትግራይ ብ232 ሚልዮን ብር ዝትግበር ፕሮጀክት 19 ሕዳር 2016 ዓ/ም ዕላዊ ተግይሩ።

413

እቲ ገንዘብ ብዋነነት ኢማጅን ዋን ደይ ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ዝተረኸበ ኮይኑ ኣብ ትምህርቲ፣ ክንክን ህፃናትን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ዝበፅሐ ከቢድ ፀገም ንምቅላል ዝውዕል ምኻኑ ናሽናል ፕሮግራም ዳይሬክተር ኢማጅን ዋን ደይ ኣይተ ሓለፎም ገዛኢ ኣፍሊጦም።

በቲ ፕሮጀክት ከተማታትን ወረዳታት ናዕዴር፣ ዓዴት፣ ሽረ፣ ዓድዋ ፣ኣኽሱም፣ ዓብይ ዓዲ፣ ቀይሕ ተኽሊ፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ዓዲግራት፣ መቐለ፣ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ተጠቀምቲ ከምዝኾና እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ን300 ሽሕ ወገናት ተረባሕቲ ዝገብር ምኻኑ ዝተገለፀ እንትኸውን ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት መዓልታት ድማ ተወሳኺ 133 ሚሊዮን ብር ደገፍ ከምዝግበር ኣይተ ሓለፎም ኣብሪሆም።

ኢማጅን ዋን ደይ ምስ ዩኒሰፍ ብምትሕብባር ኣብ እዋን ዕፅዋን ክባን ትግራይ  ኣስታት ፍርቂ ቢልየን ብር ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከምዝገበረት ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሓለፎም ገዛኢ፣ ኣብቲ እዋን 125 መምሃሪ ክፍሊ 100 ዓይኒ ምድሪ ምፅጋናን ምህናፃን ከምተኻየደ ኣብሪሆም።

ንልዕሊ 100 ሽሕ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ንዝነበሩ ተምሃሮ እቲ ትካል ዕድል ትምህርቲ ከምዝፈጠረሎም ወሲኾም ኣረዲኦም።

ትካል ገባሪ ሰናይ ኢማጅን ዋን ደይ ምስ ዩኒሴፍን ካልኦት መዳርግቲ  ኣካላትን ብምዃን ኲናት ፅንተት ካብ ዝጅመር ክሳዕ እቲ ሐዚ ዕላው ዝተገበረ ፕሮጀክት ኣስታት 822 ሚሊዮን ብር ንትግራይ ሓገዝ ከምዝገበረ እቶም ሓላፊ ገሊፃም።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝበፀ ዕንወት ከቢድ ምኻኑ ተገንዚቡ ኢማጅን ዋን ደይ እናገበሮ ዝመፀ ሓገዛት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ፀዊዖም።

ብእያሱ በርሀ