Home ዜና ብምኽንያት ኵናት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ግድብ ገረብ ሰገን ናብ...

ብምኽንያት ኵናት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ግድብ ገረብ ሰገን ናብ ስራሕ ዘእቱ ርኽክብ ሳይት ተገይሩ።

411

ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ብ830 ሚልዮን ብር በጀት ክስራሕ ተተሊሙ 12 ምኢታዊ ምስ በፅሕ ዝተቋረፀ ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ፕሮጀክት ግድብ ገረብ ሰገን፤ ሐዚ ንምጅማር ቢሮ ማይሃፍቲ ትግራይ፣ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ፣ ፣ ምምሕዳር ከተማን ርኽክብ ሳይት ተሳሊጡ፡፡

ክሳብ ሐዚ ንግልጋሎት ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝውዕል ዘሎ ግድብ ገረብ ሰገን 250 ሊትሮ ኣብ ሰከንድ እዩ ዝበሉ ኣተሓባባሪ ምብፃሕ ማይን ቁፅፅር ፅሬትን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረሊባኖስ ተስፋይ ምስ ነባሪ ከተማ መቐለ እንትነፃፀር ብጣዕሚ ዝተሓተ ተበፃሕነት ኣለዎ ኢሎም።

 እቲ 12 ሚቅድሚ እታዊ ምስበፅሕ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ህንፀት እንትዛዘም ግና ዕፅፊ ከምዝውስኽን ንልዕሊ 150 ሽሕ ነበርቲ ተጠቀምቲ ከምዝገብርን እቶም ኣተሓባበሪ ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 420 ናይ ስራሕ መዓልትታት ከምዝዛዘም ዝገለፁኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ደስታ ግደይ ሙሉእ ስራሕ ካብ ዕለት 30 ጥሪ ከምዝጅመርን ኣብ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ንምሕጋዝ ካብ ሐዚ ምድላዋት ክገብሩ ፀዊዖም።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ