Home ዜና ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ኢለ እየ ምሂዘዮ-ናውቲ ሕርሻ ዝመሃዘ ሓረስታይ

ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ኢለ እየ ምሂዘዮ-ናውቲ ሕርሻ ዝመሃዘ ሓረስታይ

545

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ጣብያ ሰሳት ዝነባርነቶም ኣብ ምህዞ ናውቲ ሕርሻ ዝነጥፉ ዘለዉ ሓረስታይ ከነላልየኩም፡፡

እዞም ሓረስታይ ብርሰት ኣግራብ ንምክልኻል ዝሕግዝን ግዜን ጉልቦትን ሓረስታይ ዝቑጥብን ናውቲ ሕርሻ ብምምሃዝ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎም ኣለዉ፡፡

ሓረስታይ ገድሉ ኣብርሃ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ነበራይ ጣብያ ሰሳት እዮም፡፡ ኣይተ ገድሉ ኣብ ሓረስታይ ዘሎ ፀገም ናውቲ ሕርሻ ንምቅላልን ኣብ ኣግራብ ዝበፅሕ ዘሎ ብርሰት ንምክልኻልን ኢሎም ብሓፂን ዝተሰረሐ ድጉሪ ምሂዞም ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዐሉ ይዛረቡ፡፡

ኣብ ጣብያ ሰሳት ተጠቃሚ እቲ ዝተመሃዘ ናውቲ ሕርሻ ዝኾኑ ሓረስታይ ዕፃይ ሃይሉ ብወገኖም እቲ በዘመናዊ መልክዕ ዝተሰረሐ ድጉሪ ግዜን ጉልቦትን ዝቁጥብ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፅቡቕ ኣገልግሎት ከምዘለዎ ድማ ምስክርነቶም ሂቦም፡፡

እቲ ካብ ሓፂን ዝተሰረሐ ናውቲ ሕርሻ ብርሰት ኣግራብ ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ኣብ ምልስላስ ሕርሻ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣይተ ገድሉ ኣብ ሓረስታይ ዘሎ ጠለብ ንምምላእ ኣድላዪ ደገፍ ክግበረሎም ተላብዮም፡፡

እቲ ምህዞ ናውቲ ሕርሻ ብርሰት ኣግራብ ዝከላኸልን ስራሕቲ ሕርሻ ዘቃልልን ከምዝኾ ዝገለፁ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣይተ ንጉስ ኪሮስ ከምዚ ዓይነት ፈጠራ ክተባባዕን ክድገፍን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው