Home ዜና ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጠን።

ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጠን።

543

እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ይእቶ፣ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይመለሱ፣ፍትሕን ተሓታትነትን ይረጋገፅ ፣ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ፆታዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ይበል፣ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ይተግበር ዝብሉን ካልኦትን ዓበይቲ ሓሳባት ብምልዓል ማሕበረሰብ ዓለም ድምፀን ክሰምዐን ሓቲተን።

ኣዶ መንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣበባ ሃይለስላሰን ተሳተፍቲ እቲ ሰልፍን ዋላ እዉን ስምምዕነት ሰላም ተተፈፀመ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብሰንኪ ጥሜትን ሕፅረት መድሓኒትን ብሰላሕታዊ ሜላ ይፀንት እዩ ዘሎ ምስ በላ መንግስቲ ፌደራልን ዝምልከቶም ማሕበረሰብ ዓለምን ህፁፅ ምላሽ ኣብ ምንዳይ ቆላሕታ ሂቦም ክስርሕሉ ፀዊዐን።

#ህይወት_ብርሃነ