Home ዜና ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ልዕሊ 5 ሽሕ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከም...

ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ልዕሊ 5 ሽሕ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘይኣተው ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣፍሊጡ።

601

ተምሃሪት 4ይ ክፍሊ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መንጂ ዝኾነት ኣብረሀት ገብረሚካኤል ሐዚ 7ይ ክፍሊ ክትማሃር ዝግባኣ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኵናት 4ይ ክፍሊ ክትማሃር ተገዲዳ።ካብ ኲናትን ወረ ኲናት ወፅዮም ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምእታዎም ሕጉስቲ ምዃና ዝገለፀት ተምሃሪት ኣብረሀት ናውቲ ትምህርቲ ሰለ ዘይተማለአላ ግና ሐዚ እውን ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ትዛረብ።

መምህርት መብርሂት ኪዱ እውን ኣብታ ብፀላእቲ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሓ ቤት ትምህርቲ መንጂ መምህር ኢያ ተምሃሮ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም ዘሐጉስ እንተኾነ እውን ብሰነኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ዘቋርፁ ተምሃሮ ከም ዘለው ሓቢራ።ርእሰ መምህር እታ ቤት ትመህርቲ መምህር ኣታኽልቲ ገ/ሄር ቤት ትምህርቲ መንጂ ብ1961ዓ/ም ዝተመስረተ ኮይኑ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ 2013 ከምዘዕነዉዎን ሐዚ ነቲ ዝዓነወ ንምፅጋንን ናውቲ ትመህርቲ ንምምላእን ኩሉ ክረባረብ ፀዊዖም።

ከም ወረዳ ድማ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር 18 ሽሕ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸቱ ትልሚ ተታሒዙ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካልኦት ቁጠባዊ ፀገማትን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝተረፉ ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ መምህር ፍሳሃ ኣረጋዊ እዮም።

#ብርሃነ መስፍን