Home ዜና ብሰንኪ መሃያ ዘይምርካቦም ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ሰራሕተኛታት ህዳሰ ቴሌኮም ዲስትሪክት ሰሜን...

ብሰንኪ መሃያ ዘይምርካቦም ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ሰራሕተኛታት ህዳሰ ቴሌኮም ዲስትሪክት ሰሜን ኣፍሊጦም፡፡

534

ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ህዳሰ ቴሌኮም ካብቶም ሰለስተ ሚእቲ እቶም 45 ሰራሕተኛታት ጥራሕ እዮም መሃየኦም ዝክፈሉ ዘለዉ ኢሎም ሰራሕተኛታት ህዳሰ ቴሌኮም ወይዘሮ ኣበባ መለስን ኣረጋዊ ብርሃነን እቲ ዋና ቤት ፅሕፈት ህዳሴ ቴሌኮም ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ዓም ስራሕ ምጅማሩ ዋላ እንተተገለፀ ዛጊድ ዝተዉሃቦም መሃያን ናብ ስራሕ ምምላስን ብዘይምህላዉ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ሓቢሮም ኣይተ ገብረመድህን ሕሸን መንእሰይ መንግስቱ ሃይለን ተጠባባቂ ኣካያዲ ስራሕ ህዳሰ ቴሌኮም ኣይተ ቁምነገር ደረጄ ብወገኖም ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መሃያ ሰራሕተኛታት ህዳሴ ቴሌኮም ዘቅረብናሎም ሕቶ እንትምልሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ዓም ስራሕ ንክጅምሩ ዝተልኣኸ ደብዳቤ ብምንባሩ ኣዘካኪሮም ኣብቲ እዋን 45 ሚልዮን ብር ዝግመት ዝሽየጥ ፍርያት ብምንባሩ እዩ እቲ ደብዳቤ ተፃሒፉ ይብሉ ድሕሪኡ ነቲ ሰራሕተኛ መሃይኡ ንክክፈል ናብ ተግባር እንትእቶ ዝቀርብ ፍርያት ብዘይምህላዉ እዩ መሃያ ክከፈሎም ዘይከኣለ ኢሎም ዛጊድ ካብ ሰለስተ ሚኢቲ ሰራሕተኛታት ን45 ሰራሕተኛታት ጥራሕ መሃያ ይኸፍል ከምዘሎን ንዝተረፉ ግና ኣብ ኢዶም ዝነበረ ኦዲት ተገይሩ ተፃርዩ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሕቶታቶም ክምለስ እዩ ኢሎም፡፡

#ብተኽለወይኒክዳነ