Home ዜና ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ወረርቲ ሓይሊታትን ሞት ህፃናት ትግራይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ...

ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ወረርቲ ሓይሊታትን ሞት ህፃናት ትግራይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ውን ቀፂሉ- ማዕኸን ዜና ሮይተርስ

518

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምርካቡ፤ ኣብ እዋን ኲናት ዝፀንሐ ሞትን ጥሜትን ህፃናት ትግራይ ሐዚ እውን ቀፂሉ ኣሎ ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት፤ ንዝኸፍአ ጥሜት ከም ዝተሳጠሑ ዝገለፀ እቲ ፀብፃብ፤ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቋረፀኦ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምራ ፀዊዑ፡፡

ወረርቲ ሓይሎታት ካብ መሬት ትግራይ ብዘይምውፀኦም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ማእኸላት ኣፅሊሎም ዝርከቡ ወገናት ግዳይ ሕሱም ጥሜትን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም፤ ንወኪል ዜና ሮይተርስ መብርሂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ትግራይ ዶክተር ገ/ብረሂወት ገብረግዚኣብሄር፤ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሚያዝያን ጉንበትን ጥራይ ልዕሊ 590 ወገናት ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ኣረጋጊፆምለይ ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ወረርቲ ሓይሊታት ካብ መሬት ትግራይ ብዘይ ምውፀኦም፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን፡፡ ኣብ ዝተዓቖብሉ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸልኪሎም ግዳይ ሞት ይኾኑ ኣለዉ፡፡ ህፃናት ትግራይ መዓልታዊ ግዳይ ፃዕረ-ሞት ይኾኑ ኣለዉ ክብል ዝፀብፀበ ሮይተርስ፤ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ዘሎ ስቓይ ህፃናት ሞት ተመዛበልቲን ዝገልፅ ዝርዝር ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ንክልተ ዓመታት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት፤ ህዝቢ ትግራይ ብዘይምግቢን መፅለሊን ኣትሪፍዋ ኣሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብዝኣወጁሉ ልፍንታዊያን ሓይልታት፤ መንበሪ ኣባይቱ ተቓፂሉን ዓንዩን፣ ዝራእቲን ምህርቲን ነዲዶም፣ ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ድማ ብሓይሊታት ኤርትራ ተወሪሩ ዝበለ ፀብፃብ ሮይተርስ፤ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበሩ ዝግበኦም ስምምዕነታት ቀልጢፎም ክትግበሩ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣተሓባበሪ ህፁፅ ሕክምና ጠቒሱ ዝፀብፀበ ፍራስ 24 ብግዲኡ፤ ብሰንኪ ጥሜት ነብሶም ወዲኦም ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ህፃናትን ስቓይ ወለዶምን ብምስናድ፤ እዞም ወለዲ ደቆም ብዕድል ድሒኖም ካብ ሆስፒታል እንተወፅዮም እውን፤ መሕደሪን ንስድረኦም ዝኸውን ቀለብን ክረኽቡ ከም ዘይኽእሉ ሓቢሮምለይ ኢሉ፡፡

ፅገ ዝተብሃለ ወዲ 10 ዓመት ወዶም ሒዞም ኣብቲ ሕክምና ዝተረኸቡ ኣይተ ኣስመላሽ ዝተብሃሉ ወገንን ብዓልቲ ገዘኦምን፤ ክብደት ወዶም ብሰንኪ ጥሜት ናብ 10 ኪሎ ምውራዱ ከም ዝተገለፀሎም ብምሕባር፤ ከም ስድራ ናብ ከቢድ ጥሜት ዝተሳጥሕሉ ምኽንያት ድማ፤ ንዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ኣብ ዝተዓቘበሉ ቦታ ዝኾነ ሓገዝ ብዘይምርካቦም ምዃኑ ብምጥቃስ፤ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየጋጥሞም ዓብይ ስግኣት ኣለዎም ኢሉ፡፡

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ከካይደኦ ዝፀንሐ ውሱን ቀረብ ሰብኣዊ ረዲኤት ጠጠው ምባለን ስዒቡ፤ ኣብ ትግራይ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን የጋጥም ምህላዉ ዝጠቐሰ ፍራንስ 24፤ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ስቓዩ ክቃለል ዘይምኽኣሉን፤ህፃናት ኣብ ፃዕረ ሞት ከም ዝርከቡን ኣመላኺቱ፡፡

#ገ/ኣብሄር ሃይሉ