Home ዜና ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ቅዱሳን ቦታታት ትግራይ

ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ቅዱሳን ቦታታት ትግራይ

408
0

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከም ኣብያተ ክርስቲያናትን መሳጊድን ዝበሉ ቅዱሳን ቦታታት እውን ግዳይ ዕንወት ክኾና ከም ዝገበረ ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ሮላንድ ኮቢያ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ዕላዊ ዑደት ኣብ ምክያድ ዝቐነዩ ኣምባሳደር ሮላንድ ኣብ ትግራይ ኣብ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ተፈፂሙ ዝተዓዘብክዎ ዕንወት ቅዱሳን ቦታታት ዕላማ ከም ዝተገበራ እዚ ስእላዊ ኣብነት እዩ ኢሎም ኣብ ገፅ ትዊተሮም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ።


ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ካብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ጥንታውያን መሳጊድ ኣብ ቅድሚት ዝሰራዕ ኢዩ።
ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ኢትየጵያ ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ምስ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳን ካልኦት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተራኺቦም ዘትዮም እዩም።


እቶም ኣምባሳደር ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፣ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራት፣ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ስደተኛታት ሽረ፣ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከም ዝበፅሑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Previous articleመግለፂ ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ
Next articleካብ ገንዘብ ሰብኣውነት ዘቐደሙ ሰብ ሕልና