Home ቢዝነስ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዋ ፋብሪካታት ትግራይ ተሃኒፀን ዳግም ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ...

ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዋ ፋብሪካታት ትግራይ ተሃኒፀን ዳግም ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ  ኣፍሊጡ።

309

መንግስታዊ ኣካላትን ማሕበረሰብ ንግድን ኣብ ኢንዳስትሪ ጨርቃ ጨርቅን ኣልባሳትን ትግራይ ዘድሃበ መድረኽ ምኽክር ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መ/ር ኣሰፋ ገብረስላሴ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ትካላት እቲ ሓደ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ከም ዝኾነን እቲ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር ዓውደ እንዳስትሪ ናብ ስራሕ ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ኣይተ ማሓሪ ገብረሚካኤል ብሰንኪ ኣበ ትግራይ ዝተኻየደ ጆኖሳይዳዊ ኲናት  ዝዓነዋ ኢንዳስትሪታት ተሃኒፀን ዳግም ናብ ስራሕ ንክኣትዋ  ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ  ገሊፆም።

መንግስቲ ፌደራል፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እተን ዝዓነዋ ትካላት ዳግም ተሃኒፀን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ባይታ ከመቻችዉ ኣለዎም ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ  በቐንዱ ድማ ስራሕተኛታት እተን ትካላት ናብ ስርሖም ተመሊሶም ካብ ዝበፀሖም ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ሃሰያ ክናገፉ ምግባር ኣገዳሲ እዩ  ኢሎም ።

ቅድሚ ኲናት ኣብ ዓበይቲ ማእኸለዎትን ኣናእሽቱን ትካላት ኢንዱስትሪ ትግራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛታት  ብቐዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ምንባሩ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ህይወት ሺበሺ