Home ዜና ብሰንኪ ድኹም ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ-ጥምረት ሲቪል...

ብሰንኪ ድኹም ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ-ጥምረት ሲቪል ማሕበራት።

520

ኢትዮጵያ ዎች ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል 3 ሓምለ 2015 ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ድኹም ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላሊይዎ ምህላዉ ኣረጋጊፁ፡፡

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘሎ እዋናት ሸሞንተ ኣዋርሕ ከም ዘቑፀረ ዘመላኸተ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፤ ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ንኽከታተል ዝተሰየመ ኮሚቴ ቁፅፅር፣ ክትትልን ምርግጋፅን ሕብረት ኣፍሪካ ዝተውሃቦ ልኡኽ ብኣግባቡ ከም ዘይፈፀመን፤ ዘይፈፀመሉ ምኽንያት እውን ዕላዊ ዘይምግባሩን ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ክናዋሕ ምግባሩ ኣመላኺቱ፡፡

ተኹሲን ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን ዋላ እኳ ኣየሃሉ፤ ሞትን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ግን ሕዚ እውን ይቕፅል ምህላዉ፤ እቲ ዝተኣተወ ውዕሊ ብኣግባቡ ብዘይምፍፃሙ ምዃኑ ዘረጋገፀ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዎች፤ ናይ እዙይ ምኽንያት ድማ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ መሬት ትግራይ ብዘይ ምውፀኦም ምዃኑ ሓቢሩ፡፡ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ሕዚ እውን ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ኣይወፁን፡፡

ኣብቲ ወሪሮም ዝሓዝዎ ቦታታት ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከቢድ ግፍዒን ስቓይን የብፅሑ ኣለዉ ዝበለ እቲ ትካል፤ ነዚ ከፈፅም ዝተመዘዘ ኣካል እውን ስርሑ ብኣግባቡ ኣይዓመመን ኢሉ፡፡

ንስምምዕነት ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ስዒቡ፤ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ወገናት፤ ናብ መረበቶም ንምምላስ ብዙሕ ሃንቀውታን ድሌትን ኣሕዲሮም እኳ እንተነበሩ፤ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ እውን እንተኾነ እቲ ስምምዕነት ዘይምትግባሩ መሕዘኒ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፤ ንምድንጓይ ምፍፃም ተልእኾ ኮሚቴ ቁፅፅር፣ ክትትልን ምርግጋፅን ሕብረት ኣፍሪካ ነቒፉ፡፡

ኢትዮጵያ ዎች ብዝብል ሓፂር ስያመ መፅናዕታዊ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሮም ዘለዉ ጥምረት ሲቢል ማሕበራት ዓለም ለኸን ውሽጢ ዓዲን እንትኾኑ፤ ንውዕል ፕሪቶርያ ስዒቦም ክፍፀሙ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ክፍፀሙ ኣይከኣሉን ክብሉ መደምደምታ ኣቕሪቦም፡፡

ብመሰረት ስምምዕነት ውዕል ፕሪቶርያ ምምላስ መሰረታዊ ግልጋሎት፣ ምእታው ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምርግጋፅ ድሕንነት ሰላማዊያን ሰባት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናት፣ ህልውና ወታደራዊ ኣካላትን ከምኡ ድማ ምጥያሽ ተቖፃፃሪ፣ ክትትልን መረጋገፂ ኣካልን ዘጠቓለሉ 6 ዓበይቲ ጉዳያት ምባሮም ዝጠቐሰ እቲ መፅናዕቲ፤ ካብቶም ስምምዕነት ዝተገበረሎም ጉዳያት ዝበዝሑ ኣይተተግበሩን ኢሉ፡፡

ኣብቲ ውዕል ዘይትሓቖፉ ኮይኖም ኣብ ምዝራግ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ኣብቲ ሰነድ ክፍረም ነይርዎ ዝብል ርእይቶ ዘቕረበ እቲ መፅናዕቲ፤ ነቶም ኣካላት ሓላፍነት ወሲዱ ስምምዕነት ከተግብር ቃል ዝኣተወ ኣካል ብኮሚቴ ቁፅፅር፣ ክትትልን ምርግጋፅን ሕብረት ኣፍሪካ ዕላዊ ክኸውን ይግባእ ክብል ምኽሪ ሓሳቡ ለጊሱ፡፡

ገ/ኣብሄር ሃይሉ