Home ዜና ብሰንኪ ጥምየት ዘቋረፁ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለስሉ ባይታ

ብሰንኪ ጥምየት ዘቋረፁ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለስሉ ባይታ

463

ተምሃሪት ሸዊት ሃይላይ ነባሪት ከተማ ማይቅነጣል እያ። እዛ ህፃን ኣቦኣ ቅድሚ 10 ዓመት እዩ ብሞት ተፈልዩዋ። ኣዴኣ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ከም ዝሰኣነታ ኣውጊዓትና። ተምሃሪት ሸዊት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ጥምየት ትምህርታ ከምዘቋረፀት እውን ትገልፅ።

ተምሃሪት ዙፋን ብርሃነ ብወገና ነባሪት እታ ከተማ እያ። ዙፋን ሻድሻይ ክፍሊ ክትበፅሕ ነይሩዋ ራብዓይ ክፍሊ ኣላ። ወይዘሮ ምፅላል ኪዳነ ወላዲት ተምሃሪት ዙፋን ብርሃነ እየን። ዙፋን ብሰንኪ ጥምየት ትምህርታ ከም ዘቋረፀት ኣደን ጓልን ኣረዲአናና።

ተማሂረ ዶክተር ክኸውን ሕልመይ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ጊዘ ኮሮና እየ ትምህርቲ ኣቋሪፀ። ሕዚ ሓምሻይ ክፍሊ ክበፅሕ እንዳተገብኣኒ ቀዳማይ ክፍሊ ኣለኹ።ንሱ እውን ኣይቀፀልኩሉን ዝበለት ድማ ህፃን ብስራት ገብረሚካኤል እያ። ደቀይ እንዳሰራሕኹ የዕብን የምህርን ነይረ። ሎሚ ግና ኣይኮነን ደቀይ ከምህር ንዓርሰይ እውን ብጥምየት ኣብ ሓደጋ ወዲቐ ኣለኹ ዝበላ ድማ ኣዶ ተምሃሪት ብስራት ገብረሚካኤል ዝኾና ወይዘሮ ስላስ ክንፉ እየን።

ብሰንኪ ጥምየትን ስእነት ናውቲ ትምህርትን ትምህርቶም ዘቋረፁ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለስሉ ባይታ ክፍጠር ይግባእ መልእኽቲ ወለድን ተምሃሮን ከተማ ማይቅነጣል እዩ።

ኣብቲ ወረዳ ሰፊሕ ፀገም ጥምየት ከም ዘሎ ዝሓበሩ ምክትል ዋና ኣማሓዳሪ ኣይተ ተኸስተ ገብረእግዚአብሔር ብኣሽሓት ዝቑፀር ተምሃሪ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝርሓቑ ሓቢሮም።
ብሕሉፍ ካሕሳይ