Home ዜና ብስም ኢትዮጵያ ብዝተንበልበለ ባንዴራ ዝተፈፀመ ግፍዒ

ብስም ኢትዮጵያ ብዝተንበልበለ ባንዴራ ዝተፈፀመ ግፍዒ

843

ከተማ ቦራ ብሰንኪ ፀላእቲ ግፍዕን በደልን መሊኡ ካብ ዝፈሰሰለን ከባቢታት ትግራይ ሓንቲ እንትትኸውን ሰለማውያን ዜጋታት ተጨፍጪፎም ደቂ ኣንስትዮ ብዕሱባት ሰራዊት ፋሽስት ተደፊረን ሃፍትን ንብረትን እታ ከተማ ድማ ዓንዩን ተዘሪፉን እዩ፡፡

ሓንቲ ወገን ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ከተማ ቦራ እትነብር እያ፡፡ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብስም ኢትዮጵያ ዘንበልበለቶ ባንዴራ ዝሓዙ ዑሱባት ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቦራ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ እንትፍፅሙ ኣብ ልዕሊ እዛ ወገን ድማ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙላን ኣብ ዝኸፈአ ስነ-ልቦናዊ ቅልውላው ከምዘላን ተዛሪባ፡፡

ወለዲ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣይተ ፀጋይ ደስታን ወ/ሮ ፀሃይነሽ ሓዱሽን እውን ኣብ ዕፅዋን ክባን ኾይኖም ፀላኢ ከይተረፈ ዝተሓበነሉን ዝተሻመየሉን ዓወት ውላዶም ብእዋኑ ክሰምዑን ሓጎሶም ክገልፁን  ኣይተዓደሉን፡፡

ውሉድን ወላድን ፈላልዩ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዛ ኣብ መድረኽ ዓለም ክትወዳዳር ዝገበረ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ክብርታትን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ተመንዩ እታ ሕዚ ዝኾርዐላን ዝተመከሐላን ገዛ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ከይተረፈ ወለዳ ከምዘበሳበሰን ንብረት ከምዝዘረፉን ወለዳ ተዛሪቦም፡፡

ኩሎም መራኸብታትን ባንክታትን ዝዓፀዎ ፀላኢ ዝኸፈአ መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለው ድማ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ተግባራት ዕፅዋን ክባን ተቀንጢጡ ብሰላም ክንራኸብ ተስፋ ንገብር ዝበሉ መላእ ስድራ ቤት ኣትሌት ጉዳፋ ፀጋይ ንቐፃሊ ህዝባ ዘኹርዕ ስራሕ ክትሰርሕ ድማ ተላብዮም፡፡