Home ዜና “ብስንኪ ኲናትን ድርቅን ንሓደጋ ጥሜትን ሞትን ተቓልዕና”- ተመዛበልቲ ወረዳ ፀለምቲ

“ብስንኪ ኲናትን ድርቅን ንሓደጋ ጥሜትን ሞትን ተቓልዕና”- ተመዛበልቲ ወረዳ ፀለምቲ

310

—-

ብስንኪ ኲናትን ድርቅን ስዒቡ ዝተፈጥረ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ከም ዘለዉ ካብ ወረዳ ፀለምቲ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ኣበርገለ የጭላ ዝርከቡ ወገናት ገሊፆም።ወይዘሮ ኣባይነሽ ትርፍንህ ይብሃላ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ካብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ መይዳ ተምዛቢለን ኣብ ከተማ የጭላ እንትርከባ ብሕሱም ጥሜት ንሕማም ተቓሊዐን ኣለዋ።

ወይዛሮ ለተንችአል ገብረኺዳንንን ኣይተ ፈረደ ወልደሰበትንን ድማ ካብቲ ወረዳ ተምዛቢሎም ኣብ ከተማ የጭላ ዝተዓቖቡ ኮይኖም ብዘይመፅለልን ምግብን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ይገልፁ።ኣይተ ዘፈሩ ገ/ሃወርያ ተምዛባላይ እቲ ወረዳ እንትኾኑ ብዓርሰ ፍቓድ ኣብ ምትሕብባር ዝርከብናዮም ኮይኖም ክሳብ ሕዚ ካብ መንግስቲ ይኹን ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ዝተውሃበ ሓገዝ የለን ድሕሪ ምባል ዝምልከቶ ኩሉ ህፁፅ ምላሽ ብምግባር ካብ ሞት ከድሕኖም ሓቲቶም።

ኣብ ከተማ የጭላ ኣስታት 800 ተመዛበልቲ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ መይዳ ከምዝርከቡ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሙሉጌታ ገ/ገርጊስ