Home ዜና ብበዝሒ ነፍርዮ ዘለና ካሮት ምትእስሳር ዕዳጋ ተዝግበረሉ- ሓረስቶት ወረዳ እንዳ መኾኒ

ብበዝሒ ነፍርዮ ዘለና ካሮት ምትእስሳር ዕዳጋ ተዝግበረሉ- ሓረስቶት ወረዳ እንዳ መኾኒ

534

ኣብ ትግራይ ብፍርያት ካሮት ብቀዳምነት ካብ ዝጥቀስ ከባቢታት ሓደ እዩ ወረዳ እንዳ መኾኒ ጣብያ እምባሓስቲ ቑሸት ደጉዓ እምባሓስቲ።
እዚ ከባቢ ብስፍሓት ካሮት ዝፈርየሉ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ኣብ ምፍራይ ካሮት ተዋፊሮም መነባብርእም ንምምሕያሽ ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ።
በቲ ቁሸት ዝሓልፉ ተጉዓዝቲ እውን ካብ ሓረስቶት እቲ ፍርያት ተቐቢሎም ካብ ዝሸጡ መናእሰይ እንዓደጉ ይሓልፉ።


ሓረስታይ ሓየሎም ብርሃኑን ሓረስታይ ኣብርሃ ኣድሃናን ነባርነቶም ኣብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ጣብያ እምባሓስቲ ቑሸት ደጉዓ እምባሓስቲ ኮይኖም ቑሽቶም ንምህርቲ ካሮት ምችው ምኻኑ ብምግላፅ በቲ ፍርያት መነባብሮ ስድረኦም ይመርሑ ከምዘለው ይገልፁ።

ብፍላይ ይብሉ እቶም ሓረስቶት ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ካብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ነጋዶ ናብ ቑሸቶም ብምምፃእ ይዕድግዎም ምንባሮምን ዝሐሸ ኣታዊ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ኣረዲኦም።

ሎሚ ዘመን ዝሓሸ ምህርቲ ዋላካ ተሃለወ ፀገም ምትእስሳር ዕዳጋ ብምህላውን ዋጋ ፃዕሮም ከምዘይረኽቡን ኣብ ምትእስሳር ዕዳጋ ትኹረት ክግበረሎም ፀዊዖም።

መተሓባበሪ ዘፈር ቁጠባ ጣብያ እምባ ሓስቲ ኣይተ መላኣኩ ኣገዘው ከም ወረዳ ካብ ዘለው ልዕሊ ሓደ ሽሕ መራቲ ስድራ እቶም ልዕሊ 650 ኣብ 97 ሄክታር መሬት ብመስኖን ብፅድያ ኣብ ምፍራይ ካሮት ተዋፊሮም መነባብርኦም ይመርሑ ምህላዎም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሓረስቶት ጣብያ እምባሓስቲ ዘለዋ ሃፍቲ ብዝግባእ ይጥቀሙሉ ዋላካ እንተሃለው ብምኽንያት ግዝያዊ ምዝሕሓል ዕዳጋ ምህርቶም ከይባኽን ምትእስሳር ዕዳጋ ክመቻቸው ከምዝግባእ ኣይተ መልኣኩ ይዛረብ።

ተምሃሪት ፀጋን ተምሃራይ በላይን ካብቶም ሓረስቶት ጣብይኦም ብዘፍርይዎ ፍርያት ካሮት ተረኪቦም ኣብ ጎዳና እታ ቑሸት ንተጉዓዝቲ ብምሻጥ ኣታዊ ይረኽቡ ምህላዎምን መነባብሮ ስድረኦም ይልውጡ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ በቢከባቢኦም ዘሎ ሃፍተገንት ናብ ረብሓ ብምውዓል መነባብርኦም ከማሓይሹ እቶም ወገናት ኣገንዚቦም።

ብኣስናቀ መሓመድ