Home ዜና ብብርኪ ሃገር ሚዛናዊ ትካል ፍትሒ ስለ ዘየለ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል...

ብብርኪ ሃገር ሚዛናዊ ትካል ፍትሒ ስለ ዘየለ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክናዋሕ ኣለዎ፦ ሁማን ራይትስ ዎች

474

ኣብ ኢትዮጵያ ኩሎም ዜጋታት ዝተኣማመንሉ ትካል ፍትሒ ብዘይምህላዉ፤ ፃንሒት እዋን መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ክናዋሕ ሁማን ራይትስዎች ፀዊዑ፡፡

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ መበል 54 ጉባኤ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት፤ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ዝቕፅል ዘሎ ገበናት ብዘይሻራዊ ትካል ክፃረ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ላዕለዎት ሰብ ሞያ ምርመራ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ከበድቲ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም ዘውፅእዎ ሪፖርት ሚዛናዊን ኣብ መሬት ወሪድካ እንተዝረአ ድማ ዝገደደ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘማላኸተ ቅዋም ሁማን ራይትስዎች፤ ግዳያት ሓቀኛ ፍትሒ ክረኽቡ ይፅበዩ ኣለዉ ኢሉ፡፡

ኣብ ላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዓለም ለኻዊያን ትካላት ጥራይ ከፃርየኦ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ከፃሪ ዝኽእል ትካል የለን ዝበለ ሁማን ራይትስዎች፤ እዙይ ዝፍፀም ድማ ኪኢላታት መርማሪ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፃንሒቱ እንትናዋሕ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ሁማን ራይትስዎች ኣብ ሪፖርቱ፤ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ሓቀኛ ፍትሒ ክረክብ ንዝቃለሳ ትካላትን ሃገራትን ሒዘንኦ ዘለዋ ቅዋም ክደፍኣሉ ፀዊዑ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ