Home ዜና ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋ ኢርቪን ዝተመርሐ ጉጅለ ልእኽ ምስ ላዕለዎት ሰብ...

ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋ ኢርቪን ዝተመርሐ ጉጅለ ልእኽ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዩ

213

  መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሕገ መንግስትን ውዕል ፕሪቶርያን ወፃኢ ጉዳይ ዞባ ምዕራብ ብሪፈረንደም ክውድኦ እየ ኢሉ ዝሃቦ  መግለፂ ተቐባልነት የብሉን ክብሉ   ፕረዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ገሊፆም

ፕሬዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝገለፁ ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋ ኢርቪን ዝተመርሐ ጉጅለ ልእኽ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ

ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን ላዕለወት ስብ መዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢ/ያ ማሲንጋ ኢርቪን ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘምፀኦም ፀጋታት ከምዘለው ነቲ ልኡኽ ከምዘቕረብሎምን፡ ኮይኑ ግና በቲ ውዕሊ መሰረት ወሰንቲ ሕቶታት ትግራይ ከምዘይተመለሱ መብርሂ ሂቦምዎም እዮም ክብሉ ፉሉይ ኣማኻሪ እቶም ፕሬዝዳንት ኣይተ ጎይታኦም ታጠቅ ይገልፁ

    ብመሰረት እቲ ውዕሊ ብወገን ትግራይ ክዕመሙ ዝግበኦም ስራሕቲ ከምዝተወጋገኑ፡ ኮይኑ ግና መንግስቲ ፌደራል በቲ ውዕሊ መሰረት ወረርቲ ካብ መሬት ትግራይ ክወፁን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ከምዘይገበረ እቶም ፕሬዝደንት ነቲ ልኡኽ ግልፂ ከምዝገበሩሎም ኣይተ ጎይታኦም ኣብሪሆም

ብፍላይ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝግለፅ ዘሎ ጉዳይ ሪፈረንደም ተቐባልነት ከምዘይብሉን ነቲ ውዕሊ ዝፃርር ምኻኑን ከምዝሓበርሎም ወሲኾም ኣረዲኦም

       ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋ ኢርቪን ብወገኖም ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ  በፂሑ ዘሎ ኩለ መዳይ ሓደጋ ንኽፍታሕ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ኣይተ ጎይታኦም ኣብሪሆም

                         እያሱ በርሀ