Home ዜና ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ 7ተ ዞባታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል...

ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ 7ተ ዞባታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ኣትዮም

763

ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ሸውዓቲኣን ዞባታት ትግራይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዎልደስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተቐቢሎም ንምምፀኦም ስዒቡ ኣብ ዝተገበረሎም ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዠተረኸቡ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ መቐለ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሆፕ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት እውን ሓገዝ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ንምግባር ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብ ሃገረ ናይጀርያ  ኣብ ምሕደራን ቴክኖሎጂን ኣድሂቡ ዝነጥፍ  ዩንቨርስቲ  ዎልደስ፤ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ንዝተፀገሙ ወገናት ብዝገብርዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር መስከረም 9/2016 ዓም ናይ ክብሪ ዶክትሬት ምሃቡ ይዝከር::

ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) መቐለ እንትኣትዉ ድማ ብምትሕብባር ሕብረት ተምሃሮ  ዩንቨርስቲ መቐለን ጉባኤ ርክባት ህዝቢ ትግራይን ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሆፕ  ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ፡፡

ነቲ ዝተገበረሎም ስነስርዓት የቐንየልና ዘመስገኑ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብቲ መዕቆቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣትዮም፡፡

ትምህርቲ ዓንዲ ሑቐ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እዩ ዝበሉ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ሸውዓቲኤን ዞባታት ትግራይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክሃንፅ እየ ኢሎም፡፡

ፕሬዝደንት ዩንቨርስቲ መቐለ ዶ/ር ፋና ሓጎስ ሰናይ ተግባር ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር)  ካልኦት ሰብሃፍቲ ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ንክነጥፉ ዘዘኻኽር ከምዝኮነ ገሊፀን፡፡

ኣቦ መንበር ጉባኤ ርክባት ህዝቢ ኣባ ጥዑም በርሀ ብወገኖም ምሃብ ኣየጉድልን ብምባል ኣብ መናእሰይ ድልዱል ሰረት ክንምስርት ይግባእ ክብሉ መልእክቶም ኣሕሊፎም፡፡

ብኣበባ ፅጋብ