Home ዜና በዓል መስቀል

በዓል መስቀል

736

እንኳዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብፀሐኩም! …

”መስከረም ብዕንበብኡ መርዓ ብዕልልትኡ“ ይብሉ ዓበይቲ፡፡ ወርሓ መሰከረም ሃይማኖታዊ ታሪካዊን ባህላውን በዓላት ዝኽበረላ ድምቕቲ ወርሒ እያ፡፡ መለወጢ ዘመን ብምዃና ርእሰ አዋርሕ ወወርሓ ፅጌ ትበሃል፡፡ መሰረት እምነት ክርስትና ዝተተኸለሉን ክርስቶስ መእንተ ደቂ ሰባት ድሕነት ዝተበጀወሉ መስቀል ካብ ዝተቐበረሉ ወፂኡ ህዝበ ክርስትያን ዝተሓጎሰሉ ብምዃና ድማ ወርሓ ሃይልነ ፅንእነ ወቤዛነ ትበሃል፡፡

እዚ ፁሑፍ ዝጥምተሉ ብተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ በብዓመቱ 17 መስከረም ዝኽበር በዓለ መስቀል ታሪካዊ ድርኩዂቱ ንምግንዛብን ርኢቶ ሊቃውንትን ዓበይቲ ዓድን ንምግዋሕን እዩ፡፡ ነዚ ፁሕፍ ምድላው ቃለ መሕትት ዝገበርናሎም ወገናት ታሪካዊን ሃይማኖታዊን ጉዳይ መጋቤ ሚስጥር ሙሴ ተካ እንትኾኑ ባህላዊ ኣከባብራ በዓል መስቀል ድማ አይተ ሕሉፍ ተስፋይ ወርቅነህ እዮም፡፡

መበገሲ ኣከባብራ በዓል መስቀል ብፁሑፍን ብቃልን ዝተማሓላለፉ መረዳእታታት ከምዝነጉሩና፣ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብተኣምራዊነቱ ብተኸተልቲ ክርስትና ዝላዓለ ክብሪ ዝተውሃቦ ብምኻኑ፤ ኣይሁድ ብቕንኢ ተለዓዒሎም ንልዕሊ 300 ዓመታት ኣብ ጓሓፍ ደርብዮሞ ነበሩ፡፡ ኣይሁዳውያን መድሓኒት ዓለም ኮይኑ ንዘመፀ ክርስቶስ ዕዉራን ኣብሪሁ፣ ለምፃን አንፂሁ፣ ኣጋንንቲ አውፂኡ፣ ሙታን አልዒሉ፣ ሑሙማት ፈዊሱ ብምባል ካብ ሰይጣናዊ ቅንኢ ተበጊሶም ሰቒሎም ቐተልዎ፡፡ ካብ ሙታን ተፈልዩ ምልዓሉ ተኣምር ኮይኑ እንተግርመሎም፤ ዝተሰቐለሉ ዕፀ መስቀሉ እዉን ዕዉራን እንተብርህ፣ ሙዉት እንተ-ተንስእ፣ ዝተፈላለዮ ዶዊ ሰጋ እንትፍውስ ሪኦም መስቀለ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ገፅ ክጠፍእ ሃቂኖም ጉድጓድ ኩዒቶም መላእ ነባሪ እዮሩሳሌም ጓሓፍ ንክኽዕወሉ ገበሩ፡፡

ብ 70 ዓ.ም ብኣስቫስያን ጥጦስ መሪሕነት እየሩሳሌም ስለዝተወረረት ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ካብ እዮሩሳሌም ለቒቖም  ክወፅኡ ስለዝተገደዱ ድሕሪ እዋን እቲ መስቀል ኣበይ ከም ዝተቐበረ ዝፈልጥ ሰብ አይነበረን። ንግስቲ እሌኒ እዉን ኣብ እዮሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ ዘበለ ኩሉ በምኹዓት እቲ መስቀል ክትረኽቦ ኣይከአለትን፡፡ ኪራኮስ ዝተብሃለ ሽማግለ ናብ ንግስቲ ኢለኒ ቐሪቡ ”እቲ መስቀል ዝተቐበረሉ ቦታ ቀራንዮ ምኻኑ ወላዲኡ ከምዝነገሮን እቲ ጎቦ ጎልጎታ ከምዝኾነን ኣመላኸታ፡፡“ ብዝአተወቶ ሱባኤ ድማ መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚካኤል ተገሊፁ፣ እቲ መስቀል ብጡሽ ዕጣን ክትረኽብዮ ኢኺ ኢሉ ነጊርዋ ስለዝነበረ ህሊናኣ አይተጠራጠረን፡፡

መሰረት ቃል መልኣኽን ሽማግለን ገይራ ኣብ ምድሪ ዩሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ዝድመር ዕንፀይቲ ሒዝኩም ንዑ ክትብል አዘዘቶም፡፡ 16 መስከረም ካብ ብቢ ቑሸቶም ሽግ እንዳሓዙ ኣብ ጎቦ ጎልጎታ ተኣኻኸቡ፡፡ ዝተደመረ ዕንፀይቲ /ሽግ/ ብሓዊ አቀፃፀለቶ፡፡ንቡዙሕ ግዘ ድማ ጡሽ እቲ ዕጣን ንሰማይ ዓሪጉ ናብቲ መስቀል ዘተቐበረሉ ቦታ ተተኸለ፡፡ከምቲ ኣክሱማዊ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ” ዕጣን ናይ መስቀል ቦታ ኣመላኸተ፣ ጡሽ ንመስቀል ሰገደ“ ኢሉ ብጡዑም ልሳኑ ዝዘመረሉ፡፡ ንግስቲ ኢለኒ በቲ ዕጣን ምልክት ዝሃባ ቦታ 16 መስከረም ምኹዓት ጀሚረቶ 10 መጋቢት ድማ እቲ መስቀል ተረኸበ፡፡

መስቀል ጎይታና ንቡዙሕ ዓመታት ኣብ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ምፅንሑ ነገስታት ነቲ መስቀል ንምውሳድ ተነሓንሑን ተፃሉኡን፡፡ አብቲ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት ኣንፆኪያ፣ ኤፌሶን፣ ኣርማንያ፣ ግሪክን እስክንድርያን እቲ ንሕንሕን ፅልእን ኣዝሐልዎ፡፡ ነቲ መስቀል ኣብ ኣርባዕተ ኸፊሎም ብስምምዕነት ተኸፋፈልዎ። የማናይ ክንፊ ንአፍሪካዊት ቤተክርስትያን እስክንድርያ ግበፂ ተረኪባ ብኽብሪ አቐመጠቶ፡፡

ኢትዮጰያዊ ንጉስ ዳግማዊ ዳዊት ተኸተልቲ ክርስና ግብፃውያን ብኣማሌቃውያን ካብ ዝበፅሖም ዝነበረ ጭቆና ነፃ ክወፁ ስለዝገበረ ፓትርያርክ ግብፂ ዝኸበረ ዉህብቶ ለገስሉ፡፡ እቲ ንጉስ ግን ቤተክርስትያን ሃገሩ እትደልዮ ወርቂ ዘይኮነስ ግማደ መስቀሉ ከምዝኾነ ገለፀሎም፡፡ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብፂ ግማደ መስቀሉ ምስ ካልኦት ንዋየ ቁዱሳን ገይራ ንኢትዮጵያ ኣረከበታ፡፡ እዚ ግማደ መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝዓረፈ ኮይኑ ኣብ መቐለ ማይልሓም ኣብ ቐፅሪ እንዳመድሃኒዓለም ቤተክርስትያን ዝርከብ እንዳ መስቀል ተባሂሉ ዝፅዋፅ ከባቢ እዉን ዓሪፉ ምንባሩ ይንገር፡፡

ኣብ ትግራይ መቐለ ጎቦ ጮምዓ ድማ ኣከባብራ በዓል መስቀል ብዘብነ ራእሲ መንገሻ ብጉዱሳት መናእሰይ እቲ እዋን ብሓደ ባራኺ ቐሽን ተጀሚሩ፡፡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ከባቢ ማይሊሓም፣ እግሪ ወንበርን አይናለምን እዉን ብስፍሓት ይሳተፍሉ ነበሩ፡፡ ዳሓር ድማ እናሰፍሐ ከደ’ሞ ራእሲ መንገሻን ሞካንንቶምን ምስ ኣቡነ ዮውሃንስ ብምኻን አብቲ በዓል ክርከቡ ጀመሩ፡፡ እቲ ድምቀት በዓል እናሰፍሐ ምስከደ ድማ መንገዲ ጮምዓ ብኤስን ኤምን ምልክት ተሰሪሑ ኣከባብርኡ አድመቖ፡፡

እዚ ኣከባብራ በዓል መስቀል ስርዓት ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ተቋሪፁ ነይሩ፡፡ይትረፍ ዶ እቲ በዓል ክኽበርስ ናብ ጎቦ ጮምዓ ኣቢሉ ዝተፀገዐ ይግረፍን አካሉ ይጎድልን ምንባሩ ዓበይቲ ዓዲ ይዝክሩ፡፡ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግን ሓያሎ ፃዕርታትን ድማ መናእሰይ ማይልሓም ተበግሶ ወሲዶም ማሕበር ጮምዓ ብምምስራት እቲ በዓል በመላእ ህዝቢ መቐለ ደሚቑ ክኽበር ካብ ምግባሮም ብተወሳኺ እቲ ጎቦ ክለምዕን መስሕብ ቱሪዝም ክኸውን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ክድገፍ ዝግበኦ እዩ፡፡

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብመስቀል ዝርከብ በረከት እነዳተቐበለት ንመስቀል ዝመስል መከራ ኩሉ ብትዕግስቲ ተሓልፎ፡፡ መስቀል ኣብ ልቦና ካህናትን ተኸተልትን ተሳኢሉ ይርከብ፡፡ ብዓል መስቀል ብውድብ ሑቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን/ዩኔስኮ/ ኣፍልጦ ረኺቡ ዓለም ለኸ ቅርሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዓል እዩ፡፡

ብቢንያም ታደሰ