Home ዜና ብጥሜት ዝተሰኮነ ስድራ

ብጥሜት ዝተሰኮነ ስድራ

2812

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ድርቂ ንጥሜትን ሕማምን ዝተሰኮነ ስድራ ፃውዒት ብፅሑልና፡፡

ወ/ሮ ለተስላሰ ወ/ገብርኤል ነባሪት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ፈለገ ሂወት እየን፡፡ ዕድሚኤን 60 እየን እዩ፡፡ እዘን ኣደ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ሓያል ፀገም ከምዝነበራን ብምግላፅ ብሰንኪ ዘጋጠመ ተፈጥራውን ሰብ ሰራሕን ድርቂ ድማ እቲ ዝነበረ ፀገመን ተጋዲዱ ብጥሜትን ሕማምን ተሶኪነን ኣብ ኣፍ ሞት ከምዘለዋ ይዛረባ፡፡

እዘን ኣደ ቅድም ክብል ሕ/ሰብ እቲ ከባቢ ፀገም ብምርዳእ ከካብ ዘላቶ እናዋፅአ ይሕግዘን ከምዝነበረን ሐዚ ግን እቲ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ድርቂ ንባዕሉ ህይወት ከቢድዎ ረድኤት ኣብ ምፅባይ ከምዘሎ እየን ዝዛረባ፡፡

ውላደን ሕልፉ ሃፍቱ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቆልዑን እያ ፡፡ ኣብ ዝሐዚ እዋን በዓል ገዝኣ ብህይወት ከምዘየለን ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ወላዲታ ንከቢድ ሕማም ከምዝተቓልዓን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣይኮነን ዶ ንኣዲኣ ክትኸውን ባዕላን ደቃን እውን ብሰንኪ ዘሎ ድርቅን ጥሜትን ኣብ ፀገም ከምዘለዉ እያ ትዛረብ፡፡

በዓልቲ ሙያ ጥሙር ጥዕና ፈለገ ህይወት ጥዕምቲ ገ/ኪዳን ኣብቲ ከባቢ ብዝተገበረ ዳህሳስ ሕፅረት ምግቢ ከምዘሎን እዘን ኣደ ድማ ዝተመጣጠነ ምግቢን ሕክምናን ብምስኣነን ናብዚ ሓደጋ ከምዝወደቓን ሓገዝ ምግብን ሕክምናን እንተረኺበን ክሓውያ ከምዝኽእላ ትገልፅ፡፡

ብኣበባ ፅጋቡ