Home ዜና ብፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ጉጅለ ጳጳሳትን...

ብፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ጉጅለ ጳጳሳትን ፍሉጣት ሰባትን መቐለ ኣትዩ።

577

እቲ ብኣቡነ ማትያስ ዝተመረሐ ልኡኽ ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ተራኺቡ።ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘ ኢትዮጲያ ኣብ ዝዘተይሉ ምምፃእ ጳጳሳት እቲ ሲኖዶስ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምጉልባት ዓርሱ ዝኸኣለ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት ዑዙዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ምስ ቤተ ክርስትያን መንበረ ሰለማ ትግራይ ከም ዝዘተዩን ኣብ ውሳነ እታ ቤተ ክርስትያን ጣልቃ ከምዘይኣትውን ኣፍሊጦም። ሊቀ ጳጳስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግፍዕን መከራን ከምዝተፈፀመ ብምግላፅ ፣እታ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሲኖዶስ እታ ቤታ ቤተክርስትያን ይቅርታ ብምሕታት ምስ ቅዱሳን ኣበው ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ ተራኺቦም ክዝትዩ ከምዝመፁ ሓቢሮም።