Home ዜና ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንምድሓን ኣብ...

ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንምድሓን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ይሳለጥ ኣሎ።

457

ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንምድሓን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ይሳለጥ ኣሎ።

ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ማእኸላት ኣዕቒቡ ሂወቱ ኣብ ሓሳረ መከራ ኮይኑ ሎሚዶ ፅባሕ ናብ መረበትና ንምለስ እናበለ ኣብ ትፅቢት ይርከብ። እንትኾነ ግና ውዕሊ ፕሪቶሪያ መሊኡ ተግባራዊ ብዘይምዃኑን እቶም ወረርቲ ክወፁ ብዘይምኽኣሎምን ነዚ ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንምድሓን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩን ፈተዉቲ ዞባ ምዕራብን ሓገዝ ንምግባር ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ መድረኽ ምኽክርን ምትእኽኻብ እቶትን ይሳለጥ ኣሎ።

ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ተወካሊ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ቡሩህ ዘፈሩ ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ 570 ወገናት ሂወቶም ምሕላፉ ኣዘኻኺሮም ህዝብና ቀልጢፉ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ቁፅሪ ብሞት እንስእኖም ወገናትና ጠጠው ምባል ስለዘይካል ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ሓገዝ ከበርክቱ ትልሚ ምትእክካብ እቶት ተደልዩ ዘሎ ኢሎም።

ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፉ ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ብጥሜትን ሕማምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ንምሕጋዝ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ሓገዝ ክገብር ፃውዒት ብምቕራብ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ናይ ባዕሉ እጃም ከበርክት እዩ ኢሎም።

ኮሚቴ ምትእኽኻብ እቶት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ 275 ሚልዮን ብር ኣታዊ ክርከብ ትልሚ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን ካብዚ እቲ 100 ሚልዩን ብር ድማ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክርከብ ተታሒዙ ከምዘሎ ካብቲ መድረኽ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።እቲ ሕዚ ዝሳለጥ ዘሎ ምኽክር መድረኽን ምትእኽኻብ እቶትን ፃውዒት ምድሓን ሂወት ጠመተ ዝገበረ ኮይኑ እቲ ኮሚቴ ካብ ዝተፈላለዩ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ቅርሺ እኽሊ ሸሚቱ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ዙር ዕደላ ከሳለጥ እዩ ተባሂሉ።

#ሳራ ኣብራሃለይ ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ