Home ዜና ተሳትፎ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ ኣብ ምፍታሕ ፀገማት ሕብረተሰብ

ተሳትፎ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ ኣብ ምፍታሕ ፀገማት ሕብረተሰብ

539

ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ተጎጓ ልዕሊ 15 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር 28 ኪሎ ሜትሮ ንዉሓት ዘለዎ መንገዲ ፅርጊያ መቐለ ተጎጓ ብምፅጋን ንግልጋሎት ክፍቲ ገይሩ፡፡

እቲ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ ማሕበር ኣክስዮን ካብ ከተማ መቐለ ናብ ጣብያ ደብረ ናዝሬት ቑሸት ቶጎጓ ዘሎ ንመጓዓዓዝያ ኣፀጋሚ ኮይኑ ዝፀንሐ መንገዲ ብምፅጋን ንግልጋሎት ክፍቲ ገይሩ፡፡

እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ህንፀት እቲ መንገዲ ዛዚሙ ንነበርቲ ተጎጓ ኣብ ዘረከበሉ 10 ሽሕ ደፍተርን 2 ሽሕ ብርዕን ንተምሃሮ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቓልዓ ከምዘበርከተ ኣበወንበር ማሕበር ኣክስዮን ፋብርካ ስሚንቶ ተጎጓ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ ገሊፆም፡፡

ነበርቲ ሕብረተሰብ ጣብያ ደብረ ናዝሬት ቑሸት ቶጎጓ ብወገኖም ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘሎ ማሕበር ኣክስዮን ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ ረብሓ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ዘሎ ሰናይ ደገፍ ዝነኣድ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡ነበርቲ ቑሸት ተጎጓ ከይዲ ህንፀት ፋብሪካ ስሚንቶ ቶጎጓ ረብሓን ተጠቃሚነትን ህዝቢ እቲ ከባቢ ብዘረጋገፀ መንገዲ ህንፀቱ ንክጅምር ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ምስ ኣመራርሓ እቲ ማሕበር ዘቲዮም፡፡

#ኣሸናፊ ዳርጌ