Home ዜና ተስፋታት መፃኢት ትግራይ

ተስፋታት መፃኢት ትግራይ

471

” መናእሰይ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ተጠቒሞም ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማቶም ኣብ ዘቃልሉ  ዓውደ ስራሕቲ ክዋፈሩ ኣለዎም ” ይብል ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈረ  ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ዝነብር መንእሰይ ኣብርሃ ገብረመስቀል ።

 ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ብሞያ መምህርነት ከም ዝሰረሐ ዝተዛረበና መንእሰይ ኣብርሃ ገብረመስቀል ኣብ 2010 ዓም ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንምብርትታዕ መንግስቲ ብዘመቻቸዎ 20 ብ 80 ዕድል ተረባሒ ከም ዝኾነ ዩ ዝገልፅ መንእሰይ ኣብርሃ ።

በቲ ዝረኸቦ ዕድል ድማ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ተዋፊሩ ከም ዝሰረሐን ዝሐሸ ማሕበረ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ከም ዝነበሮን ድሕሪ ምዝኽኻር

 ” ኣነ ነቲ ካብ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝወሰድኩዎ ልቓሕ ኣብ 6 ዓመታት ክምልሶ ዝግበአኒ ኳ እንተነበረ ብምርባሕ ደርሁ ብዝረኸብኩዎ ዕዉት ዉፂኢት ግን ኣብ 3 ዓመታት ልቐሐይ መሊሰ ተረባሒ ኮይነ ኔረ የ  ” ይብል ።

በቲ ዘጋጠመ ኲናት እቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ተስፋ ዘለዎ ምርባሕ ደርሁ ካብ ምትእጉጓል ሓሊፉ ጉድኣት ከም ዝበፀሖ ዝዛረብ መንእሰይ ኣብርሃ በቲ ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ግን

” ነቲ ዝበፀሐኒ ቁጠባዊ ሃሰያ ንምክሕሓስ ብናይ ባዕለይ ፃዕርን ተበግሶን ይሰርሕ ኣለኹ  ” ክብል ገሊፁልና

በቲ ዝተኻየደ ኲናት ”  ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትና ዋላ እንተተዳኸመ ምስቲ ዘለና ተሞክሮ ግን ዳግም ተላዒልና ምልዋጥ ንኽእል ኢና እዚ ድማ ናይ ኩሉ መንእሰይ ሓሳብ ክኸውን ተስፋ ብዘይምቑራፅ ክንሰርሕ ኣለና ” ክብል ዉን መልእኽቱ ኣሕሊፉ ዩ መንእሰይ ኣብርሃ ገብረመስቀል ።

መንእሰይ ብርሃነ ተኽለ ዕድል ስራሕ ካብ ዝተፈጠረሎም መናእሰይ ሓደ ኮይኑ ምርባሕ ደርሁ ብቐሊሉ ቁጠባዊ ፀገማትካ ዝፈትሕ ዘፈር ስራሕ ስለ ዝኾነ ” ካብዚ ተሞክሮ ወሲደ  ናይ ባዕለይ ምርባሕ ደርሁ ክኸፍት የ ” ክብል መፃኢ ተስፍኡ ኣቐሚጡ ።

 እየሩሳሌም ገብረመድህን