Home ዜና ተስፋታት ግልጋሎት ጉምሩክ መቐለ

ተስፋታት ግልጋሎት ጉምሩክ መቐለ

732

ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ግልጋሎት ጉሙሩክ ጨንፈር መቐለ ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ወራር ምክያዱ ብመዳይ ሰደድ ኢንቨስትመንትን ኣታውን፣ ኣብ ልምዓት ቴክኖሎጂን ዕድል ስራሕን ንትግራይን ንሃገርን ዝለዓለ ብፅሒት ዝነበሮ እዩ፡፡ ብፍላይ ብብርኪ ሃገር ካብ ሞጆ፣ ቃሊትን ቀፂሉ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ዝነበሮን ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮ ሰብ ምያ እቲ ዓዉዲን ሓለፍትን እቲ ቤት ፅሕፈት ይገልፁ፡፡ ብመሰረት ፀብፃብ ኮሚሽን ጉሙሩክ ጨንፈር መቐለ ኣብ 2012 ዓም ልዕሊ 4 ቢልየን ብር ቀረፅን ታኽስን ከም ዝኣከበ እዩ ዘመላኽት ፡፡ ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ግን ንልዕሊ 2 ዓመት ግልጋሎቱ ጠጠው ኢሉ ካብ ውልቀ ክሳብ መንግስታዊ ስራሕቲ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊን ልምዓታዊ ስራሕቲ ሰፍ ዘይብል ሃሰያ በፂሕዎ እዩ፡፡ ኣብ ንግድን መሰረታዊ ሸቀጣትን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ክውስኽን ምዝባዕ ንግዲ ክፍጠርን ዝለዓለ ሳዕቤን ከም ዘሕደረ እዩ ማሕበረሰብ ነጋዶን ሰብ ምያ እቲ ዓውዲ ዝዛረቡ፡፡ ብቢልየናት ብር ዘንቀሳቕስ ዝነበረ ኮሚሸን ጉሙሩክ ጨንፈር መቐለ ዓማዊሉ ንኣደዳ ጥሜትን ዓፀባን ተቃሊዖም ንባዕሎምን ሰድርኦምን ሓዊሱ ሕሱም ናብራ ከሕልፍ ተገዲዶም ፡፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ኣብ ቢሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ግና ዝተፈላለዩ እወንታዊ ስራሕቲ እናተተግበሩ ይርከቡ፡፡ ንዝሓለፍ ክልተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ጉምሩክ ስነ- ሰርዓት ኣገልግሎት ካብ ወደብ ጅቡቲ ብቐጥታ ናብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝፀዓና 4 ተሸከርከርቲ ንፈለማ እዋን ሚያዝያ 21 2015 ዓም ኣትየን ኢየን ፡፡ ኣብ ትራንስፓርት ባሕሪ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ተወካሊ ኣካያዲ ስራሕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ኣይተ ሃይላይ ተስፋይ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ክህብ ሙሉእ ምድላዋት ከም ዝተገበረ እዮም ዝገልፁ፡፡ ኣምፃእትን ሰብ ምያን ብወገኖም ተጀሚሩ ዘሎ ግልጋሎት ብምንኣድ ዘለው ፀገማት ብምፍታሕን እቲ ግልጋሎት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክኸይድ መንግስቲ ፌዴራልን ዝምልከቶም ኣካላትን ብትኹረት ክሰርሑ ይፅዉዑ፡፡ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ግልጋሎት ጉሙሩክ ጨንፈር መቐለ ናብ ስሩዕ ሰርሑ ከም ዝአተወ ዝገለፁ እቶም ሓለፍቲ ኣምፃእቲ ፣መጓዓዓዝትን ፣ለኣኽትን ሙሉእ ግልጋሎቶም ክጅምሩ ድማ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም ኣለዉ፡፡

#ሃፍታይ ባህረ