Home ዜና “ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፣ታሪኽ ቃልሲ፣ መስዋእትን ዓወትን’ዩ፤ ኮይኑ ግና ብዘይኣግባብ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ኩነታት...

“ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፣ታሪኽ ቃልሲ፣ መስዋእትን ዓወትን’ዩ፤ ኮይኑ ግና ብዘይኣግባብ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ኩነታት ክዕፆ ኣለዎ” ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

630

“ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፣ታሪኽ ቃልሲ፣ መስዋእትን ዓወትን’ዩ፤ ኮይኑ ግና ብዘይኣግባብ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ኩነታት ክዕፆ ኣለዎ” ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፣ታሪኽ ቃልሲ፣ መስዋእትን ዓወትን ምዃኑ ግሁድ እዩ ንድሕር ደግም ኣብዝህልወና ጉዕዞ ዋላ’ኳ ቃልሲን መስዋእቲን መሊእና ጠጠው ምባል ከቢድ እንተኾነ ብሰላምን ብካልእ ኣግባብን ክንፈትሆም እንኽእል ፀገማት ብትዕግስትን መስተውዓላይነትን ብምፍታሕ ብዘይኣግባብ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ኩነታት ክዕፆ ኣለዎ ክብሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ አይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ብደቂ ስውኣት ዝተመስረተ “ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ”ሎምዓልቲ ኣብዘዳለውዎ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ እንታይ ይገብ ረልና ዝብል ሓሳብ ንድሕሪት ገዲፍና ስውኣትና ዝተዋደቁሎም ዕላማታትን ራእይን ብምርዳእ ሽትኦም ክወቅዕ ብምግባር ህያውነቶም ንምጉንፃፍ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።”ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን” ዝብል ጭርሖና ነቲ ዝተጀመረ ሰላም ዝያዳ ብምዕሟቕ፣ ህላወ ትግራይን ህዝባን ውሑስ ብምግባር፣ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ንዘኽእል ስራሕቲ ብምጥንካር ምርግጋፅ ክኸውን ከምዘለዎ’ውን እቶም ፕሬዚደንት ኣተሓሳስቦም። “ንስኻትኩም ደቂ ስውኣት ጀጋኑ ኢኹም።

ኣያታትኹም ኣብ መዋእሎም ዝልዓለ ቅያን ገድልን ፈፂሞም ኢዮም፤ እዚ ታሪኽ እናተዘከረ ዝነብር ኮይኑ ንስኹምውን ኣብ መዋእልኹም ናይ ባዕልኹም ቅያ ክትፍፅሙ ይግባእ” ኢሎም ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ።