Home ዜና ”ትማሊ፣ሎሚ ኮነ ፅባሕ ተጋደልቲ ኢና”- ተመለስቲ ጀጋኑ ተጋደልቲ

”ትማሊ፣ሎሚ ኮነ ፅባሕ ተጋደልቲ ኢና”- ተመለስቲ ጀጋኑ ተጋደልቲ

450

ህዝብን ምምሕዳርን ክፍለ ከተማ ሓወልቲ መቐለ ህዝቢ ትግራይ ብልፍንታውያን ወረርቲ ካብ ዝገጠሞ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሓራ ንምውፃእ በጃ ህዝቦም ንምኻን ናብ ገድሊ ተፀንቢሮም ኣብ መኸተ ንዝፀንሑን ሐዚ ብኽብሪ ካብ ሰራዊት ንዝተሰነዩ ሓርበኛታት ደቁ ተቐቢሉ።

ካብቶም ተመለስቲ ጀጋኑ ንሕና ሎሚ ኮነ ፅባሕ ተጋደልቲ ኢና ትማሊ ምእንተ ህዝብናን ሉዓላዊ መሬትናን ምውሓስ ክንብል ከቢድ መስዋእቲን ኣካል ምጉዳልን ብፆትና ከፊልና ኣብዚ በፂሕና ኣሎና ድሕሪ ምባል ድሕሪ ሐዚ ድማ ናብ ማሕበረሰብና ተሓዊስና ዘብዒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ኮይና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

ንሕና ኮነ ህዝብና እንኮ ሕርያና ሰላም እዩ ዝበሉ እቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ንሕና ብመስረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዕጥቅና ኣውሪድና ናብ ህዝብና እንትንሕወስ ብወገን ፌዴራል ዘሎ ግቡእ እውን ብሙሉእነት ተፈፂሙ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬትና ስወፁ፣ ሉዓላዊ መሬትና ሓራ ክወፅእ፣ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ህዝቢ ትግራይ ድማ ሰላምን ፍትሕን ክረጋገፀሉ ይግባእ ኢሎም።

ወለዲ እቶም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ መኸተ ወፍሪ ጀኖሳይድ ህዝባዊ ሕድሪ ተሸኪሞም ንዘርኣይዎ ፍሉይ ቅያን ጅግንነትን ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ልምዓት እውን ኣብነታውያን ተጋደልቲ ኮይኖም ዓዶም ከልምዑ ከም ዝግባእ ድማ ተላብዮም።

መርሃዊ ተስፋይ