Home ዜና ትካላት ፋይናንስ በተን ዝርካበን ከመይ ግልጋሎት ከምዝሃባ ናይ 2015 በጀት ዓመት ከፃፍፋ...

ትካላት ፋይናንስ በተን ዝርካበን ከመይ ግልጋሎት ከምዝሃባ ናይ 2015 በጀት ዓመት ከፃፍፋ ከምዝግባእ ቢሮ ምትሕብባር ሃፍትን ፋይናንስን ትግራይ ኣፍሊጡ።

503

ትካላት ፋይናንስ በተን ዝርካበን ከመይ ግልጋሎት ከምዝሃባ ናይ 2015 በጀት ዓመት ከፃፍፋ ከምዝግባእ ቢሮ ምትሕብባር ሃፍትን ፋይናንስን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2015 በጀት ዓመት ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝተበጀተ 13.2 ቢልዮን ብር እቲ 10.4 ቢልዮን ብር ከምዝተለኣኸን 2.8 ቢልዮን ብር ንቐፃሊ ክሕተት ዝግበኦ ከም ዘሎ ዝገለፃ ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ቢሮ ምትሕብባር ሃፍትን ፋይናንስን ዶ/ር ምሕረት በየነ በዚ ድማ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ሰነ ን137 ሽሕ ዝኣክል ካብ ፀላኢ ሓራ ኣብ ዝወፃ ከባብታት ትግራይ ዝርከብ መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃያ ከምዝተኸፈለ ኣፍሊጠን።

ትግራይ ዘለዋ በጀት ኣጠዓዒማ እውን ከም ኣብያተ መዘጋጃ ዝበላ ብናይ ባዕለን ኣታዊ መሃያ ሰራሕተኛአን ዝኸፍላ ዝነበራ ኣብያተ ዕዮ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኣታዊ ስለዘይፀንሐን ክሳብ ኣታዊ ዝረኽባ ብልቓሕ መሃያ ክኸፍላ ከም ዝተገበረ ድማ ዶ/ር ምሕረት ገሊፀን። ብሰንኪ እቲ ጀኖሳዳዊ ኲናት ዝኸፍአ ዕንወት ንዝበፅሐን ኣብያተ ዕዮ ብቢሮ ተማእኺሉ ዕድጊት ብምፍፃም ግልጋሎታት ክጅመር ዘኽእል ስራሕቲ ምውጋኑ እውን እተን ሓላፊት ኣብሪሀን።

ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዓዱ ብዘይምምላሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘይቐርበሉን ዘሎ ኣብ ዝኸፍአ ዓፀባ ይርከብ ዝበላ ዶ/ር ምሕረት በየነ ካብ ዝተፈላለያ ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝተረኸበ ሓገዝ ን133 ሽሕ ወገናት ብ120 ሚልዮን ብር ዝተዓደገ እኽሊ ክዕደል ተገይሩ ኣሎ ኢለን። ብጥሮታ ንዝመሓደሩ ነባራት ተኸፈልቲ ጥሮተኛታት ዝኾኑ ክፍሊት ክፍፀም ከም ዝጀመረን ናይ ሕሉፍ እዋን ግና ዛጊድ ክኽፈሎም ኣይከኣለን።

ካብ እዋን ኲናት ጀሚሩ ጥሮታ ኣብ ምውፃእ ዝነበሩ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክኽፈሎም ይስራሕ ምህላዉን ዛጊድ ድማ ብልቓሕ ናይ ሰለስተ ወርሒ ክፍሊት ከም ዝተፈፀመ ገሊፀን። ኣብ ፕሮጀክት ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት እናሰርሑ ብፌደራል ዝኽፈሎም ዝነበረ ሰራሕተኛታት በቶም ወረርቲ ሓይልታት ተመዛቢሎምን ካብ መሃያ ወፃእ ኮይኖምን ኣብ ተደራራቢ ፀገም ይርከቡ ዝበላ እተን ሓላፊት ካልኦት ሰራሕተኛታት ትካላት ፌደራል እውን ዛጊድ መሃያ ብዘይምርካቦም ዓርሶምን ስድርኦምን ኣብ ሓደጋ ጥሒሎም ምህላዎም ሓቢረን።

ኣብ 2015 በጀት ዓመት ኣብ ግልጋሎት ዝወዓለ በጀት ከመይ ከምዝተመሓደረ ምፅፋፍ ከም ዘድልዮን ፤ናይ 2016 በጀት ዓመት እውን ሕውየት ብምምፃእ ናብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምእታው ዝተዓፃፀፈ ትልሚ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ሓላፊት ቢሮ ምትሕብባር ሃፍትን ፋይናንስን ዶ/ር ምሕረት በየነ ኣገንዚበን።

ብገብረመስቀል ኪሮስ