Home ዜና ትካል ምግባረ ሰናይ ትእምት ንተመዛበልቲ ትግራይ ዝውዕል 100 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ።

ትካል ምግባረ ሰናይ ትእምት ንተመዛበልቲ ትግራይ ዝውዕል 100 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ።

510

ሓገዝ ትእምት

ትካል ምግባረ ሰናይ ትእም ንተመዛበልቲ ትግራይ ዝውዕል 100 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ።እቲ ሓገዝ ንፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተረኪቡ።

ህዝቢ ትግራይ ትካላት ትእምት ካብ ዝነበረን ዕንወት ወፀየን ኣትረፍቲ ኣብ ዝኾናሉ እዋን ተረባሒ ክኸውን ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተመዛበልትና ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ንምትራፍ እቲ ዝተገበረ ደገፍ ንኢዶም።

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ተመዚቢሎም ኣብ ፈቖዶ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝኸፈአ መነባብሮ ዝመርሑ ዘለው ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ርብርብ ትእምት ደገፋ ኣጠናኺራ ክትቅፅለሉ ፀዊዖም።ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን እውን ተመዛበልትና ካብቲ ገጢምዎም ካብ ዘሎ ዓፀባ ንክወፁን ናብ መረበቶም ንክምለሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ሓገዝቲ ክኾኑ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም።