Home ዜና ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝዋገአን ዓሰርተ ጀነሬተራት...

ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝዋገአን ዓሰርተ ጀነሬተራት መስኖ ብሓገዝ ሂቡ፡፡

656

ኣይተ ገብረሂወት ምሩፅን ወ/ሮ ደስታ ገበረመድህንን ነበርቲ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ዓራቶ እዮም። ዝራእቲ ክራማት ኣልዒሎም ብኩታ ገጠም ኣብ ልምዓት መስኖ እናነጠፉ ረኺብናዮም።

ናይ ሎሚዘበን ልምዓት መስኖ ጉዳይ ህልውና ምዃኑ ተረዲኦም ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ምህርቲ ንምሕፋስ ኣብ ፃዕሪ ከም ዝርከቡ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ ንልምዓት መስኖ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዋሓዚ ማይ ብምቅናሱ ዝሓሰብዎ ምህርቲ ኣብ ምሕፋስ ስግኣት ከም ዝነበሮም ዝሓበሩ እዞም ሓረስቶት ሐዚ ግና ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ብዝገበረሎም ሓገዝ ጀነሬተር ስግኣቶም መፍትሒ ረኺቡ መሬቶም ብምልማዕ መፍረይነቶም ከዕብዩ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሮም።

እቶም ብኩታ ገጠም ዘልምዑ ዘለው ሓረስቶት ጣብያ ዓራቶ ዘበናዊ እታዎታት ሕርሻ ክረኽቡ ዕድል ካብ ምፍጣር ሓሊፉ  ብቐሊሉ ምትእስሳር ዕዳጋ እውን ይፍጠረሎም ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝዋገአን ዓሰርተ ጀነሬተራት ኣብ 3 ዞባታት ትግራይ ንዝርከባ ወረዳታት እንደርታ ፣ ክልተ ኣውላዕሎ ፣ላዕላይ ማይጨውን ወረዳ ዓድዋን ብኩታ ገጠም ብመስኖ ንዘልምዑ ሓረስቶት ሓጊዙ።

ዳይሬክተር ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃ ኪዳነማርያም  ሓረስታይ ሎሚ ኣጋጥምዎ ዘሎ ሕፅረት ዝናብ ድርቂ ንምፅዋር ኣብ ልምዓት መስኖ ብውዳበ ብመልክዕ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክጥቀምን ሐዚ ኣታኣታትናየን ዘለና ጀኔሬተር ሕድሕደን ክሳብ 20 ሄክታር  መሬት ከልምዓ ከምዝኽእላን ሓረስታይ ካብቲ ባህላዊ ኣሰራርሓ  ወፂኡ ኣብ ምዝማን ስራሕቲ ሕርሻ  ዝለዓለ ግደ ኣለዎም ኢሎም።

ብብርሃነ መስፍን