Home ዜና ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ትእምት ኣብ ምሕብሓብ ኣካል ጉድኣት ኵናትን ሓገዝ ስድራ...

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ትእምት ኣብ ምሕብሓብ ኣካል ጉድኣት ኵናትን ሓገዝ ስድራ ስውኣትን ቱኽረት ሂባ ትሰርሓሉ ከም ዘላ ተሓቢሩ፡፡

688

ትካል ምግባረ ሰናይ ትእምት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳል ኵናት ንምምካት ኣካል መጉዳእቲ ንዝኸፈሉ ሃርበኛታት ትግራይ ብቀፃልነት ንምድጋፍ ፕሪጀክታት ሓንፂፃ ከም እትሕግዝ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ሓቢሮም ፡፡ ኣይተ ጥላሁን ብፍሉይ ንምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሃቦዎ ቃለ መሕትት ትእምት ኣብዚ 2 ዓመት ብሰንኪ ዘጋጠመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኣካል መጉዳእቲ ንዝበፅሖም ተጋደልቲ ዝገበርዎ ሓገዛት ምግቢ፣ ሕክምናን ካልኦት ዓይነታት ሓገዛትን ካብ ምግባር ብተወሳኺ 25 ሚልየን ብር ንኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከም ዘረከበት ገሊፁ፡፡ ትእምት ምስ ሓገዛት ግልጋሎት ሕክምና ተኣሳሲሩ ንውጉኣት ተጋደልቲ ካብ ዝገበረቶም ዓበይቲ ፃዕርታት ሓደ፤ እቶም ተጋደልቲ ክሳብ ወፃእ ዓድታት ከይዶም ክሕከሙ ሙሉእ ናይ ሕክምና ወፃእታት ከም ዝሸፈነትን ፅቡቕ ውፅኢት ዝረኸቡ መርኣያ ተጋደልቲ ከም ዘለዉን እውን ወሲኹ ኣይተ ጥላሁን ኣረዲኡ፡፡ “ኣበርክቶን ሓገዛትን ትእምት ኣብ ሕውየት ትግራይ ወሳኒ ግደ ንክህልዎ ተሊምና ንቀሳቀስ ኣለና ዝበለ ኣይተ ጥላሁን” ልዕሊ 40 ሚልየን ብር ዝወድአ ሃርበኛታት ዝሕብሐብሉን ዝነብርሉን ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ትሰርሕ ከምዘላን ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕቱ ዛዚማ ከም እተረክቦምን ኣረዲኡ፡፡ ነዚ ሓገዝ ብውሱን መጠን ድሕሪ እቲ ሰላም ኣብ ሰራሕ ይነጥፋ ዘለዋ ትካላት ትእምት ከም ሱር ኮንስትራክሽ፣ መስፍን ኢንዳስትራያል ኢንጅነሪንግ፣ መሰቦን ብሩህ ተስፋን ካልኦትን ቀንዲ ዕማም ገይረን ብዋናነት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ኮይነን ይሰርሓን ሓገዝቲ ይኾናን ከም ዘለዋ እውን ተሓቢሩ፡፡ ብሓፈሻ ትእምት ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ወሳናይ ተራ ንምፅዋት ብኣወዳድባን ዋንነትን ሓዱሽ ምትዕርራይ ንምግባር ዘኽእልዋ መነፅራት ሒዛ ስራሕ ምግባረ ሰናይን ኢንቨስትመንትን ብምስፋሕ ፀገማት ማሕበረ ኢኮኖሚ ትግራይ ብቐፃሊ ንምፍታሕ ትረባረብ ከም ዘላ ድማ ኣይተ ጥላሁን ሓቢሮም፡፡ ብመዳይ ንስድራ ስውኣት እትገብሮም ሓገዛት፤ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣካሎም ዝጎደሉን ስድራ ስውኣትን እትከፍሎም ዝነበረት ወርሓዊ ሓገዛት ድሕሪ ውሱናት ኣዋርሕ ንምጅማር ትልሚ ተታሒዙ ከም ዘሎ እውን ኣብቲ ዝሃብዎ መብርሂ ጠቒሶም ክብል ጋዜጣ ወይን ፀብፂቡ፡፡