Home ዜና ትካል ዩኒሴፍ ምስ ሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ፌደራል ብምትሕብባር 28 ሚልዮን ብር ዝዋጋኡ...

ትካል ዩኒሴፍ ምስ ሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ፌደራል ብምትሕብባር 28 ሚልዮን ብር ዝዋጋኡ ሶላር ሲስተምን ናውቲ ፅገና መስተ ማይ ንቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ሓጊዙ፡፡

604

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ስእነት መስተ ማይ ንምቅላል ዝሕግዝ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ማይን እነርጂን ትግራይ ኣይተ ሞጎስ ገ/እግዝኣብሄር ሐዚ እውን ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ዝዓነዋ ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ዝለዓለ ርብርብ ከምዝጠልብ ኣገንዝቦም፡፡

ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት መሰረተ ልመዓት ወይዘሮ ያለም ፀጋይ ብግደአን ትካላት ማይ ትግራይ ምዕናወን ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ዝስተ ማይ ስእኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዳይ ዝተፈላለዩ ማይወለድ ሕማማት ይኸውን ከምዘሎ ብምግላፅ ነቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢለን፡፡

ሓላፊ ፊልድ ኦፊስ ዩኒሴፍ ማትዮ ፍሮንቲኒ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ኩለመዳይ ዕንወት ዳግም ንምሕዋይ ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ ትካሎም ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡ብሰንኪ ኵናት ዕንወት ንዝበፀሖም ትካላት መስተ ማይ ዳግም ንምህናፅ ብወገን ሚንስተር ማይን ኢነርጂን ፌደራል ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ሚኒስትር ሚኒስተር ዴኤታ ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ቐፃሊ ሓገዝ ከምዝግበር ኣረጋግፆም፡፡

#ብታደለ ዳኘው