Home ዜና ትግራይ መተሓላለፊት በሪ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ንኽትከውን ክንሰርሕ ኢና- መንገዲ ኣየር ኖርዝ...

ትግራይ መተሓላለፊት በሪ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ንኽትከውን ክንሰርሕ ኢና- መንገዲ ኣየር ኖርዝ ስታር

590

ትግራይ መተሓላለፊት በሪ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ንኽትከውን ከምዝሰርሕ ማሕበር ኣክስዮን መንገዲ ኣየር ኖርዝ ስታር ገሊፁ።

ማሕበር ኣክስዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር ዓለምለኸ ወኪል ጒዕዞ እዩ። ከም ሓበሬታ ምክትል ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር ኣይተ መኰነን በየነ ትግራይ መተሓላለፊት በሪ ማእኸላይ ምብራቕን ኣውሮጳን እያ።

ቁጠባዊ ዕቤታ ሓፍ ክብልን ማእኸል ስልጣነ ዓለም ስለ ዝኾነት እውን ብዘፈር ቱሪዝም ተጠቃሚት ንምግባርን ዕላማ ኣለና ኢሎም።

እዚ ኵባንያ ዛጊድ 750 ኣባላት ኣለውዎ ዝበሉ ኣይተ መኰነን በየነ፣ ሰብ ሃፍቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ትሑት ኢኰኖሚ ዝርከቡ ወገናት እውን ተጠቃሚ ብምግባር ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝነጥፉ ገሊፆም።

ብውልቀ ይኹን ብማሕበር ካብ 30ሽሕ ክሳብ 50 ሚልዮን “ሼር” ምዕዳግ ከምዝከኣል እውን ኣረዲኦም። ኣባል እቲ ቦርድ ኣይተ ሰለሙን ግደይ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጄኖሳይድ ስዒቡ ሼር ኵባንይኦም ንምሻጥን ናብ ስራሕ ንምእታውን ተዓጊቱ ከምዝፀነሐ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ትካል ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኣብረርቲ ኣየር (ፓይሎታት)ባዕሉ ከምዘስልጥን ዝሓበሩ ኣይተ ሰለሙን ፤ እዚ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር ዓለምለኸ ወኪል ጒዕዞን ገደብ ኣልባ መጓዓዝያን እዩ ‘ሞ ትግራይ ዳግም ብሰማይ ኣይትዕፆን ኢሎም።

ወኪል ጉዕዞ ኖርዝ ስታር ካብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ/ም ኣትሒዙ ትኬት በረራ ኣየር ምቑራጽ ጀሚሩ ከምዘሎ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ