Home ዜና ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ

ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ

360

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ን800 ወገናት ነፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራን ፀጉርን ካብ ዕለት 2 ክሳብ 6 መጋቢት 2016 ዓ/ም ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ብሕማም ዓይኒ ንዝሳቀዩ ወገናት ጠመተ ብምሃብ ብርሃን ዓይኒ ንምምላስን ጥዕንኡ ዘሓለወ መፍረያይ ዜጋ ንምፍጣር፣ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ሂማልያን ካትራክት ዝተበሃለ ፕሮጀክት ብምትሕብባር ካብ ዕለት 2 ክሳብ 2016ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ን800 ወገናት ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራን ፀጉሪ ዓይንን ከም ዝገብር ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ መረሳ ገብረስላሰ ኣፍሊጦም።

ናይቲ ፕሮጀክት መቀፀልታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ን1400 ወገናት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ፣ኣብ ወርሒ ጉንበት ን800 ወገናት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብሓፈሻ ን3000 ወገናት ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ንምግባር ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ አይተ መረሳ ሓቢሮም።

 ክሕከሙ ዝተመልመሉ ወገናት መሐከሚ።፣ምግብን መደቀስን በቲ ፕሮጀክት ከምዝሽፈን ዝሓበሩ አይተ መረሳ ቀዲሞም ዝተመልመሉ  ቆፀሮ ካርድ ሒዞም ክርከቡ ንናይ መጎዓዝያ ክፍሊት ብመሰረት ታሪፍ ከምዝኽፈል ፈሊጦም ሕጋዊ ደረሰኝ ከቅርቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ወፍሪ ነፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ብዕውት መንገዲ ክሳለጥ  ግደ ኣመራርሓን  ተሳትፎ  ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ አይተ መረሳ አገንዚቦሞ።

እቲ ሆስፒታል ምስ ሂማልያን ካትራክት ፕሮጀክት ብምዃን ድሕሪ ውዕል ሰለም ፕሪቶርያ  ን3700 ወገናት ነፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ከምዝገበረ አይተ መረሳ ኣረዲኦም።

ጎይትኦም ተኸስተ