Home ዜና ናህሪ ዋጋ ስሚንቶ መሰቦ: ስሚንቶ ኣብ ዝኾነ ቦታን እዋንን ክንዲ ድላዩ ዋጋ...

ናህሪ ዋጋ ስሚንቶ መሰቦ: ስሚንቶ ኣብ ዝኾነ ቦታን እዋንን ክንዲ ድላዩ ዋጋ ይሸየጥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀዳምነት ሂብና ንሰርሐሉ ጉዳይ ኣይኮነን: ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ

739

ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ ካብተን ንህዝቢ ክረብሓ ተባሂለን ብናይ ህዝቢ ትግራይ መስዋእትን ሃፍትን ዝተተኸላ ትካላት ትእምት ሓደ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ጆኖሳይድ ስዒቡ ንከቢድ ማሕበረ ቑጠባዊ ቑልዉላው ዝተሳጥሐ ህዝቢ ዋጋ ስሚንቶ ብምኽባሩ ዝዓነዉ ኣባይቱ ኮነ ተጀሚሮም ዝፀንሑ ክሃንፅ ከም ዘይከኣለ እዮም ዘዘራረብናዮም ወገናት ዝገልፁ፡፡

ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ ብናይ ህዝቢ ሃፍቲ ንረብሓ ህዝቢ ክዉዕል ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ትካል ሃፍትን ሓመድን ትግራይ ተጠቒሙ እኳ እንተፍረየ ፀገም ህዝቢ ክፈትሕ ግን ኣይተረኣየን እኳ ድኣስ ኣብ ኢድ ስሱዓት ነጋዶ ወዲቑ እቲ ፍርያት ብኩናት ዝረብረበ ህዝቢ ከይዓገበ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን እዩ ዝፀዓን ዘሎ ይብሉ እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ፡፡

ብተወሳኺ እዉን ይብሉ እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ነቲ ናህሪ ዋጋ ክጋደድ ዝገብርዎ ዘለዉ እቶም ካብቲ ትካል ብቐጥታ ዝዓደጉ ነጋዶ ብቐጥታ ንህዝቦም ክሸጥሉ ብዘይምኽኣሎሙን እቶም ኣብ መሸጣ ስሚንቶ ዝተዋፈሩ ዘይሕጋዉያን ነጋዶን ደላሎን ስለ ዝተቖፃፀርዎን እዉን አዮም ዝብሉ ፡፡

ኣብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ማርኬቲንግ ማናጀር ኣይተ ይትባርኽ ሓጎስ ትካል ፋብሪካ ስሚንቶ ብሰንኪ ኩናት ስርሑ ደው ኣቢሉ ከም ዝፀንሐ ብምግላፅ ሐዚ መዓልታዊ ካብ 30ሽሕ ክሳብ 40ሽሕ ኩንታል ስሚንቶ ጥራሕ እዩ ዘፍሪ ዘሎ ድሕሪ ምባል እዙይ ድማ ነቶም ኣቐዲሞም ኩፖን ዓዲጎም ዝፀንሑ ዓማዊሉ በቢተራ ይሸይጥ ከም ዘሎ ገሊፆም፡፡

እቲ ኩፖን ካብቲ ብቐጥታ ዝዓደገ ዓሚልኩም ወፃኢ ብዘይሕጋዉያን ደላሎ ተንከባሊሉ ንዝመፅእ ነጋዳይ ከ ንምንታይ ተታኣናግዱ ኣብ ምዉሳኽ ናህሪ ዋጋ ድማ የጋድድ እዩ ኢልና ንኣይተ ይትባርኽ ንዝቕረብናሎም ሕቶ ድማ ዝሃቡና ምላሽ እወ ትኽክል እዩ ብቐጥታ ኩፖን ንዝዓደገ ጥራሕ ብቐጥታ ክንህብ እንዳተገበአና ንሕ/ሰብ ክንረብሕ ኢና ብዝብል ዘየሕጋዊ ኣሰራርሓ ክንክተል ተገዲድና ኢና ኢሎም።ብስሩ ኸ ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ ብናይ ህዝቢ ሃፍቲ ንረብሓ ህዝቢ ዝተተኸለ ንብረት ህዝቢ ትግራይ እዩ እሞ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብምንታይ ኢኹም ክተቃልሉ ንዝብል ሕቶና ኣይተ ይትባርኽ እንትምልሱ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ፍርያት ብበዝሒ ምፍራይን ዕዳጋ ማእኸል ዓዲ እዉን እንተተረጋጊዑን እዩ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

ነቲ ፀገም ንምቅላል ምስ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ኢሉ እዉን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ተቐራሪብና ዘቲና ኢና ይኹን እምበር ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ነዙይ ዝቆፃፀር እኹል መሓዉር የብለይን ብዝብል ምኽንያት ሓጋዚ ክኾን ከም ዘይከኣለ ኣይተ ይትባርኽ ሓቢሮምልና፡፡

ኣብ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ መተሓባበሪ ጉጅለ ደገፍን ክትትልን ኣይተ ካሳ ሃይሉ እቲ ዝተባሃለ ፀገም ሓቂ እዩ ይኹን እምበር ሐዚ ትኹረት ሂብና ንሰርሓሉ ዘለና ኣብ መሰረታዊ ድሌት ብፍላይ ምግቢ ተንከፍ እምበር ጉዳይ ስሚንቶ ከገድሰና ኣይኽእልን ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ እዉን ይብሉ ኣይተ ካሳ ስሚንቶ ዘፍርዮ ዘሎ ዉልቀ ትካል እዩ..እንኽተሎ ዘለና ስርዓት ነፃ ዕዳጋ ስለ ዝኾነ ነጋዳይ ኣብ ድላዩ ወሲዱ ክንዲ ድላዩ ዋላ ይሽጦ ክንቆፃፀሮ ኣይንኽእልን .. ተመን ዕዳጋ ክወፀሉ ዝኽእል እኮ ናይ መንግስቲ ሃፍቲ እንተኾይኑ እዩ..

ኣብዚ መዳይ ኣይተ ካሳ ዝዘንግዕዎ ነገር እንተሃለወ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሃፍቲ ምዃኑን ንረብሓ ህዝቢ ዝተጣየሸ ከም ዝኾነን እዩ ካብዚ ብተወሳኺ ብቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ህዝብን መንግስትን ሃፍቲ ምኻኑ ከምዝፀድቐ ዝዝከር እዩ።

ቴሌቪዝን ትግራይ ዝ/ዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ነበርቲ ከተማ መቐለን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣዘራሪቡ ንምርዳእ ከም ዝኻኣለ ካብቲ ፋብሪካ ክሳብ ንግድን ኢዳስትርን ከምኡ እዉን ምስ ናይ ንግዲ ስርዓት ተዛሚዱ ዝኸደሉ ዘሎ መንገዲ ንረብሓ ህዝቢ ዝጠመተ ከም ዘይኮነ እዩ።