Home ዜና ናብ መረበትና ክመልሰና ተስፋ ዘንበርናሉ ውዕል ናብ ባይታ ክወርድ ብዘይምኽኣሉ ብሰላሕታ ንፀንት...

ናብ መረበትና ክመልሰና ተስፋ ዘንበርናሉ ውዕል ናብ ባይታ ክወርድ ብዘይምኽኣሉ ብሰላሕታ ንፀንት ኣለና።”-ተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ

461

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት ፅንተት ብዙሓት ግዳይ ሞት ሕማምን ምምዝባልን ክኾኑ ገይሩ እዩ ። ሞትን ሕማምን ከትርፍ፣ ብወረርቲ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ሓራ ኣውፂኡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ ተስፋ ዝተነበረሉ ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ተስፋ ብዙሓት ዘለምለመ ነይሩ ።

ይኹን እምበር እቲ ስቓይ ህዝቢ ከሕፅር ተስፋ ዝተነበረሉ ውዕሊ ናብ ተግባር ክሽረፍ ብዘይምኽኣሉ’ናብ መረበትና መልሱና’ ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶ ተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዘይትስእኖን ምላሽ ዘይረኸበ ጉዳይ ኮይኑ ቐፂሉ ኣሎ።

ኣብ ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልቲ ትግራይን ንዝተርኣየ ክፍተት ዝዓበየ ብፅሒት ዝወስድ መንግስቲ ፌደራል ኳ እንተኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተሪርካ ብሓድነት ንምቅላስ ዘኽእል ቁመና ዘይምሓዙ ድማ ንብዙሓት ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ ።

ትማሊ ትግራይ ግዳይ ወራር ፅንተት እንትትከውን ዕፃ ኩሉ ተመዛባሊ ትግራይ በፂሕዋ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ማይ ካድራ ሕዝሎን እንጥልጥሎን ኮይና ተመዛቢላ። ሎሚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተዓቍባ ኩሉ ተመዛባሊ ትግራይ ዝሓልፎ ዘሎ ሕሱም ናብራ ትደፍእ ኣላ። ነገር ተፈጥሮ ኮይኑ ክልተ ግዜ መናቱ ዝተገላገለት ተማዛባሊት ኣደ እያ። ኣይኮነን ዶ ንኸምቲ ናታ ዝበለ ሂወት ንውልቀኻ እውን ጋዶ ዝኾነ ናብራ ተመዛባሊ ክትደፍእ ዝተገደደት እያ ወ/ሮ ሂወት።

ንሳ ሓንቲ ካብቶም ‘ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር’ ‘ናብ መረበትና መልሱና’ ብምባል ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ትግራይ ድምፆም ከስምዑ ዝቐነዩ ተመዛበልቲ ብምኳን ድማ ኣብ ዝባናን ሕቁፋን ህፃናት ሒዛ ድምፃ ክተስምዕ ወፂኣ ።

ወ/ሮ ሂወት ከም ሓንቲ መርኣያ ናይቶም ብዙሓት ኣብ ፍቆዶ ኣብያተ ትምህርትን ኬንዳታትን ሕሱም ናብራ ዝደፍኡ ዘለው ተመዛበልቲ ደኣ ተልዓለት ምበር ስፍሓትን ዕምቆትን እቲ ፀገምስ ኣብ ኩሉ ተመዛባሊ ምዃኑ ንምርዳእ ናብ ሓደ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቅልቅል ምባል እኹል እዩ ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ናብ ትግራይን ህዝባን ዘቕነዐ ወራር ፅንተት ብሳላ ክቡር ዋጋ ሂወት ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክኽምበት ተላዘብትን ኣላዘብትን ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ድሕሪ ምምፅኦም ዝተኸተመ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ሓራ ከውፅእ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ እሞ ምዕራፍ ፅንተት ከብቅዕ እዩ ብዝብል ሃንቀውታ ዝለምለመ ተስፋን ብኣድናቆት ዘጣቐዐ ኣእዳውን ሎሚ ኣብ ቦትኡ ኣይትረኽቦን።

ሎሚ ተስፋ ናይ ዝቆረፀን ከርፋሕ ናብራ ይመርሕ ናይ ዘሎን ተመዛባሊ ሕቶ እዩ ኣብ ዝሓለፍካዮ ዘይትስእኖ ምላሽ ዘይረኸበ ጉዳይ ኮይኑ ቀፂሉ ዘሎ ።

መንግስቲ ፌደራል ድሕንነት ዜጋታቱ ሓልዩ ናብ መረበቶም ክመልስን ወሰናስን እዛ ሃገር ክሕሉን ኣብ ዓንቀፅ ሓሙሽተን ሸሞንተን ውዕል ፕሪቶርያ ብግልፂ ሰፊሩ ይርከብ ። ይኹን እምበር መንግስቲ ፌደራል ኣወንታዊ ተበግሶ ወሲዱ መሬት ትግራይ ዝጎበጡ ሓይልታት ከውፅእ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክመልስ ብዘይምኽኣሉ ህዝቢ ንዝተናውሐ ስቓይ ክቃላዕ ብምግባር ዝዓበየ ብፅሒት ከምዝወስድ ርዱእ ኾይኑ :ብወገን መንግስቲ ትግራይ ውን ጉዳይ ተመዛበልቲ ቀንዲ ዛዕባ ጌሩ ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበር ተሪርካ ንምሕታት ዘኽእል ቁመና ሒዙ ዘይምርካቡ እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ጌርዎ ይርከብ።

ሎሚ ዶ ፅባሕ ናብ መረበተይ ይምለስ ብዝብል ተስፋ ኣብ መንግስቱ እምነት ኣሕዲሩ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ዝሳቐ ዘሎ ተመዛባሊ ትግራይ ዩ እምበኣር መሬትካ ሓራ ከየውፃእኻ ዝተበተነ ህዝብኻ ናብ መረበቱ ከይመለስካ ኣብ ጓል መንገዲ ምውዓል ኣግባብነት ዘለዎ ድዩ ? ቀዳምነታትካ ናይ ዘይምንፃር ፀገም ዶ ኸ ኣይኮነን ? ክብል ስክፍትኡ ዝገልፅ ዘሎ።

ውዕል ፕሪቶርያ ሒዝዎም ዝመፀ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከምዘለው ኾይኖም : ብመሰረት እቲ ውዕል ክምለሱ ዝግበኦም ወሰንቲ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ግን ሓዚ ውን ምስተወንዘፉ ዮም። መሬት ትግራይ መሊኡ ሓራ ኣይወፀን ! ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን ! ስለዝኾነ ‘ ውዕል ፕሪቶርያ ይተግበር’ ‘ናብ መረበትና መልሱና’ ዝብል ሕቶ ምስማዕ ቀፂሉ ኣሎ።

ሕቶታቱ ብሰንኪ ዘይምምላሶም ብጥሜትን ሕማምን ዝሳቀ ዘሎ ተመዛባሊ ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስ ብተደጋጋሚ ይምሕፀን ኣሎ።

ብድኽመት መንግስቲ ፌደራልን ውሽጣዊ ሕመቕናን ሕቶኹም ዛጊድ ምላሽ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ንሓዝን ዝበለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ድክመታቱ ኣሪሙ ስቃይ ህዝቡ ከሕፅር ቆሪፁ ምልዓሉን ኣወንታዊ ተበግሶ ወሲዱ ከምዝሰርሕ ኣብ ምግላፅ ይርከብ ።

እዚ ተበግሶን ድልውነትን ካብ ቃልን ኣጉል ተስፋን ብዝዘለለ ናብ ተግባር ክሽረፍ እንተዘይክኢሉ ሓደግኡ ዝኸፍአ ስለዝኸውን ድማ ዩ ህፁፅ ግብራዊ ምላሽ የድሊ ዝበሃል ዘሎ። መኣዝ ? ንዝብል ሕቶ ድማ ሓዚ ዝብል ጭቡጥ ምላሽ ተዋሂቡ ናብ ባይታ ዝወርድ ስራሕ ክስራሕ ተስፋ ተነቢሩ ኣሎ። ሽዑ ድማ ዩ ሕቶ በዓል ወ/ሮ ሂወትን ካልኦት ከምኣ ዝበለ ከርፋሕ ናብራ ዝደፍኡ ዘለው ተመዛበልቲ ትግራይ ምላሽ ረኺቡ ንቡር ሂወት ተመዛበልቲ ክፍልም ዝኽእል።

#ብዮርዳኖስ ገ/ስላሴ