Home ዜና ናብ ባርነት ዝተለወጠ ናፅነት

ናብ ባርነት ዝተለወጠ ናፅነት

1108

ብዘይ ህዝቢ ዝረጋገፅ ናፅነት ምፅባይ፤ ንሉእላዊነት ደው ዝበለ ሓይሊ ምስኣን እዩ፡- ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ፡፡

ብቕልፅሙ ናፅነት ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ኢሳያስ ተጠሊሙ ናብ ስቓይ ኣትዩ ምህላዉ ዝገለፁ ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ፤ ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ቅድመ ናፅነት ኤርትራ ጀሚሩ ብፍትሒን ልዕልና ሕጊ ዘይኮነስ፤ ንዋታዊን ሰብኣዊን መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ቃልሲ ብውልቁ ክጨዊ ዝፀንሐ በለፀኛ ሓይሊ ምንባሩ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብቅልፅሙ ንገዛእቲ ስዒሩ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ድማ ናፅነቱ ብሪፈረንደም ከም ዘረጋገፀ ዝጠቐሰ ነጣፋይ ማሕበረሰብ በየነ ገረዝጊሄር /ውፉይ/፤ ምርግጋፅ ናፅነት ኤርትራ ስዒቡ ክጣየሹ ዝግበኦም ዝነበሩ መሓውራት መንግስትን ሃገር ክትምረሐሉ ዝግባእ ሕጊን ስርዓትን ከይተኸለት ምትራፋ ሓቢሩ፡፡

ኤርትራ ክትፆሮ ዘይግባእ ኣደራዕ ተሰኪማ ኣላ፡፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣወጀ ባርነት መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ምህላዉ ዝጠቐሰ በየነ ገረዝጊሄር፤ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሓርነቱ ስኢኑ ርእሱ ኣድኒኑ ዝነብረሉ ዝኸፍአ ስርዓት ኮይኑ ምህላዉ ኣብሪሁ፡፡

ሓደ ሕብረተሰብ ምዝራብ፣ ምሕሳብን ሓዊሱ ቁጠባዊ ናፅነቱ እንድሕር ስኢኑ፤ ካብ ባርነት ወፃኢ ካሊእ ስያመ ክወሃቦ ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ጅሆ ተታሒዙ ብምህላዉ ካብ ሊጥን ሕሩጭን ኣትሒዙ ይቆፃፀር ምህላዉ ብሚዲያታት ዝዛረብ መራሒ ሃገር ምህላዉ ምልክት ባርነት እዩ ክብል ተስፋ ልደት በላይ ገሊፁ፡፡

ካብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣትሒዙ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብስም ሃገራዊ መኸተ ተባሂሉ ህዝቢ ጀሆ ክተሓዝን መሰላቱ ከይሓትትን ክግበር ምፅንሑ ዝጠቐሱ እቶም ተዛተይቲ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጊላነት ምእንቲ ከይነብር ንቕሓቱ ሓሊዩ ክቃለስ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ጉዕዞ 32 ዓመታት ናፅነት ኤርትራ፤ ህዝቢ ሓርነቱ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ክሳራ አውን ክበፅሕ ምምፅኡ ዘዘኻኸረ መስራቲ ፈልሲ ንዴሞክራሲ ኤርትራ ዮሴፍ ገብረሂወት ብግዲኡ፤ ብስም ናፅነት መሬት ኤርትራ ተዓቂቡ እኳ እንተነበረ፤ ብሰንኪ ፃሕታሪ ኲናት ባህሪያት ህግደፍ መንእሰይ ኤርትራ ክፀንት ምፅንሑ ጠቒሱ፡፡

ካብ ኲናት ዝተረፉ ኤርትራዊያን መንእሰያት፤ ብሰንኪ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ባርነት ሃገር ገዲፉ ግዳይ ስደት ኮይኑ ኣሎ፡፡ እታ ውፅኢት ናፅነት ዝኾነት ሃገር ክሕልዋ ዝኽእል ሓይሊ ትስእን ኣላ፡፡ እዙይ ማለት ሓርነቱ ዘይተረጋገፀ ህዝቢ ሃገር ከውሕስ ኣይኽእልን ኢሉ፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፤ ምስ ዝተፈላለዩ ዴምክራሲያዊያዊን ውዳበታትን ወከልቲ ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ናፅነቱ ክረጋገፅ ይግባእ ምባሉ ዘረጋገፀ ዮሴፍ ገብረሂወት፤ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ለኻዊ ሓገዛት ከም ዘድልዮ ኣብርሁ፡፡

ምስ ባህሪያት ስርዓት ህግደፍ፤ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰንካ ዝግበር ቃልሲ ከቢድ ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ብምዃኑ፤ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ትካላት ዴሞክራሲን ዓለም ለኻዊያን ጥምረት ኤርትራዊያንን ወሳኒ ምዃኑ ዝገለፀ ዮሴፍ ገብረሂወት፤ ሙሉእ ናፅነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ንክረጋገፅ ድማ ጠንካራ ኤርትራዊያን ውዳበታት ክህልዋ ፀዊዑ፡፡

  ገ/ሄር ሃይሉ