Home ዜና ናብ ትግራይ ክትከዱ ኣይትኽእሉን ኢዮም ዝብሉኒ- ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል

ናብ ትግራይ ክትከዱ ኣይትኽእሉን ኢዮም ዝብሉኒ- ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል

493

ካብ ዝነብርሉ ሃገር ኣውስትራሊያ ብዕለት ሓሙሽተ ሓምለ 2015 ዓ/ም ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ትግራይ ኣይተኸይድን ተባሂሎም ዝተዓገቱ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ምኽንያት መዕገቲኦም ከይፈለጡ ክሳብ ሐዚ ብሓይልታት ፀጥታ እናተሓለው ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝርከቡ ብስልኪ ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ገሊፆም።

ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደ ሳሙኤል ንዝሓለፉ 3 መዓልታት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጊቶም ካብ እኽለማይን መዕረፍን ኢሉ እውን ምንቅስቓስ ተኸልኪሎም ኣካሎም ክዳኸም ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም። ክሳብ እዛ ሰዓት ካብ ኣመራርሓ ፀጥታ ኮነ መንግስታዊ ኣካል መፅዩ ዝሓተቶም ወይ ክሲ ዘቕርበ ኣካል ክረኽቡ ከምዘይካኣሉ ዝገለፁ ቆሞስ ኣባ ሰርቀብርሃን ዛጊድ ግልጋሎት ከይርኽቡን ከይንቀሳቐሱን ፅዕንቶታት ይብርትዖም ከምዘሎን ዝኾነ ሰብ ናብኦም ከይፅጋዕ እውን ከምዝኽልከል ሓቢሮም።

ንምንታይ ናብ ቤተሰበይ ከይደ ከይሓትት ትኽልክሉኒ ኣለኹም ኢሎም ነቶም ዝዓገትዎም ኣካላት ፀጥታ እንትሓቱ ድማ ፈፂሙ ናብ ትግራይ ክኸዱ ከምዘይ ፍቀደሎም፣ እንተደልዮም ናብ ዝመፅእዎ ክምለሱ ወይእውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽኣትው ከምዝፍቀደሎም ጥራሕ ከምዝሕብርሎም እውን ንትግራይ ቴሌቪዥን ሓቢሮም።ኣብ ትግራይን መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ፣ ዓለም ለኸ ማሕበረ-ካህናት ትግራይ፣ቤት ፅሕፈት ማሕበር ሙሁራን ነገረ መለኮት ትግራይ፣ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብውዳበን ብውልቀን ኣብ ልዕሊ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ዝተፈፀመ ማዕገቲ እናኾነንዎ ይርከቡ።

#ተኽለወይኒ_ኪዳነ_ኣረጋዊ