Home ዜና ”…ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር...

”…ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር ነገር ክህሉ ኣይግባእን ” ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ

1159

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ዘሎ ህሉዉ ምዕባለታት ኣድሂቦም ኣብ ንማዕኸናት መራኸቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ጉዳይ ናይ ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈለ ምሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን በጀትን፥ ተሓቲቶም ዝመለስዎ መልሲ ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ቅሬታ ኣልዒሉ ቀንዩ ኢዩ።ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ትማሊ ምስ UMD ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ ዘይተኸፈለ ሕሉፍ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ” ግልፂ ንምግባር ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ዘሎ ናተይ ኣገላልፃ ፀገም ነይርዎ ተዘይኮይኑ ንሕና ክንማጐት ኢና ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክመፅእ ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘሎና ። እታ ሐዚ ዝተዉሃበትና ግና ናይ ሓንቲ ዓመት ኢያ። ስለዚ በዚ መንገዲ ክንከዶ ኢና።

ሙግት ግና ክንቅፅል ኢና ንመበገሲ ዝኸዉን ግና እዚ ኣምፂእና ኣሎና ኢየ ኢለ ነይረ ኢሎም።ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዕላዊ ስራሕ ተጓዒዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ክልተ ዓመት በጀት ፔሮል መሃያ ክዳሎ ተመሓላሊፉ ነይሩ መን ጌርዎ ብዘየገድስ እዚ ዝፈጠሮ ትፅቢት ዝምለከት ኢየ ተዛሪበ ኣነ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ እንበር ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝግበኦ መሃያ ክረክብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ሙጉተይ እዉን ንሱ ኢዩ ኢሎም።

ምስ መንግስቲ ፌዴራል እዉን ንሱ ኢዩ ኣልዒልና ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ተሓታቲ ኢዩ ኢለኳ ኣይኣምንን ግን ብሓደ ይኹን ካልእ መንገዲ ህወሓት ተሓታቲ ክኸዉን ይኽእል እንተኾነ ግና ናይ ህወሓት ኮነ ናተይ ተሓታትነት ግን ንናይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክመፅእ ዝግበኦ መሃያ ከትርፎ ኣይኽእልን ክብሉ ኣብሪሆም።ስለዚ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ምድንጋር ነታ ሸዓ ተወዘዐት ጉዳይ ሴርኩላር መን ከምዘሕለፋ እሞ ንሱ ዝፈጠሮ ትፅቢት ንምግላፅ ደኣ ፈተንኩ እንበር ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝግበኦ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈሎ መሃያ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከትርፍ ዝኽእል ኣነ እዉን ሕልናይ ኣይፈቕደለይን ብተግባር እዉን ክገብሮ ኣይክእልን ክብሉ መልሲ ሂቦም ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ።

ናይ ትግራይ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንምኽፋል 35 ቢልዮን ብር የድልየና ዝበሉ ፕሬዘዳንት ጌታቸዉ ረዳ ሐዚ እቲ ተለቒቑልና ዘሎ ገንዘብ 12 ቢልዮን ብር እዩ ፣ከም ነዚኤን ዝተቐበለ ምምሕዳር ዝመርሕ ሰብ ኮይነ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣሎ ንዕኡ ከፊልና ዝተረፈ ኣብ ዝወዓለ ይዉዓል ክብል ዝኽእለሉ ዕድል የለን ክብሉ ሓቢሮም።ነቲ ንዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት መሃያ ከይተቐበለ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝፀንሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ሐዚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ምኽፋል ጀሚርና ኣሎና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ቀፂሉ ኣብ ዝህሉ ምስትኽኻል እንተስ ናይ ርብዒ እናወሰኽና እንተስ ብሓደ ፕሮጀክት ወይ ካልእ እናበልና እቲ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር ነገር ክህሉ ኣይግባእን ክብሉ ሓባሮም።

እቲ ን2015 ዓ/ም ንትግራይ ዝተለቐቐ ልዕሊ 12 ቢልዮን ብር በጀት ኩሉ ናብ ሒሳብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘይኣተወ ዝገለፁ እቶም ፕሬዘዳንት ብርክት ዝበለ ተዝኣቱ ነይሩ ነቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክወሃቦ ዝተወሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃያ ምተወስኸ ነይሩ እንተኾነ ሐዚ ኣብ ኢድ እቲ ምመሕዳር ዝተረፈ ገንዘብ ዉሑድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።ኣብዚ ኩሉ ክርደኦ ዘለዎ ድማ እተን ዝመፃ ገንዘብ ኩለን ንሰራሕተኛ መንግስቲ እንተደኣ ከፊልናዮ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዘይኮኑ ግን ድማ ኣብ መኸተ ምዉሓስ ትግራይ መስዋእትነት ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉና ፣ሰራሕተኛ መንግስቲ ነይሩ ብምኽንያት ቃልሲ ዳግም ሰራሕተኛ መንግስቲ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝሰኣነ ተጋዳላይ እኽለማይ ዘይረኽበሉ ኩነታት ምፍጣር ሓላፍነት ዝስመዖ ሰብ ክገብሮ ኣይኽእልን ኢሎም።

ብተወሳኺ እዉን እተን ዝተረፋ ገንዘብ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ፣ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተፈላላዩ ዝነበረ ሓረስታይ ናብ ንቡር ልምዓት ክምለስ ክስረሓሉ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ግምት ከእትዎ ከም ዘለዎ ፕሬዚዳንት ግዝሓዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣገንዚቦም።እንተ ጉዳይ ዘይተኸፈለ ሕሉፍ መሃያ ክልተ ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ግና ከይኽፈል ዝኽልክሎ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሓብሩ እቶም ፕሬዚዳንት ንሕና እዉን ክንማጐት ኢና መንግስቲ ፌዴራል ተዘይፈቅድ እዉን በቲ ዝከኣለና በታ ዘለትና ዓቕሚ በቢግዜኡ እናማቻቸና ዝግበኦ መሃይኡ ክረክብ ክንገበር ኢና ኢሎም።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ