Home ዜና ንህላወ ህዝቢ ዝተኸፈለ መስዋእትነት

ንህላወ ህዝቢ ዝተኸፈለ መስዋእትነት

561

ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ብዝኸፈልዎ መስዋእትን መቑሰልትን፤ህዝቢ ትግራይ ካብ ፍፁም ፅንተት ከምዘድሓነ ስድራ ተጋደልትን ኣመራርሓን ነበርቲ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ገሊፆም ፡፡

ነበርቲ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ማይበራዝዮ ኣይተ ፍሰሃ ሓጎስ፣ ወይዘሮ መብራት ተኽለማርያምን ኣይተ ካሕሳይ ገብረየሱስን ስድራ ተጋደልቲ እዮም። ልፍንታውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘካየድዎ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ብደቆም ፣ ኣሕዋቶምን መላእ ደቂትግራይን ተመኪቱ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክቕፀልን ካብ ፍፁም ፅንተት ክድሕንን ኽኢሉ እዩ ኢሎም።

ናብዚ ተነፃፃሪ ሰላም ዘብፅሑ ስውኣትን ጉድኣት ኵናትን ኣመስጊኖም እቶም ስድራ ተጋደልቲ።

ኣብ ጣብያ ማይበራዝዮ ኾነ መላእ ትግራይ ዝተፈፀሙን ዝፍፀሙ ዘለውን ግፍዕታት ጆኖሳይዳውያን ዘርዚርካ ከምዘይውድኡ ዝገለፁ ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ገብረ ገብረመስቀል፤ ሳላ እቲ ክቡር መሰዋእትነትን መቑሰልትን ደቂ ትግራይ ግና ተነፃፃሪ ሰላም ከመዝተረኸበ ሓቢሮም።

ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፍፁም ፅንተት ዝዓገቱ ጀጋኑ ስውኣትን ጉድኣት ኵናትን ዝድበሱ ዕላመኦም ኣብ መወዳእትኡ እንትበፅሕ እዩ ዝበሉ እቶም ስድራ ተጋደልትን ማሓዳርን፤ ብወገኖም ዝኸኣልዎ ከምዝገብሩን ኹሉ በቢዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ኣብ ካሕሰኦም ከተኩር ፀዊዖም
#ሳሙኤል ገብረታትዮስ