Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን 380 ዘይሕጋዊ መረዳእታ ዋንነት መሬት ከም...

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን 380 ዘይሕጋዊ መረዳእታ ዋንነት መሬት ከም ዝተረኸበ ተገሊፁ።

460

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን 380 ዘይሕጋዊ መረዳእታ ዋንነት መሬት ከም ዝተረኸበ ተገሊፁ።

ኮሚቴ ምፅራይ ሕጋዊ ዋንነት መሬት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ 16 ሽሕን 672 መዛግብቲ ዋንነት ትሕዝቶ መሬት ዳህሳስ ኣካይዱ 380 ዘይሕጋዊ መረዳእታ ከም ዝረኸበ ዘፍለጠ እንትኸውን 1342 ዋንነት መሬት ድማ ሙሉእ መረዳእታ ዘይብሎም ቀፃሊ ምፅራይ ዘድልዮም ከም ዝኾኑ ኣታሓባበሪት እታ መፃረይት ኮሚቴ ወ/ር ባንቺኣየሁ ጥበቡ ገሊፀን።

ዋና ኣማሓዳሪ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ሙሉጌታ ገብሩ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋዊ መሬት ዝወነኑን ነቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝተሓባበሩን ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድን እቲ ዝተወረረ መሬት ናብ መንግስቲ ንምምላስን ዘኽእል ቀፃሊ ስራሕ ከምዝሓትት ገሊፆም።

ብብርሃነ መስፍን