Home ማሕበራዊ ንዝሓልፍ እዋን ብምትሕግጋዝ ንስገሮ

ንዝሓልፍ እዋን ብምትሕግጋዝ ንስገሮ

954

ድሕሪ ፀገም ራህዋ ከምዘሎ ኣሚንና ብዝልዓለ ወነ ብምትሕግጋዝ ታሪኽ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ኢማማት ከተማ #መቐለ ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ፀገም ራህዋ ከምዘሎ ኣሚኑ ብሩህ ተስፋ ሰኒቑ ብዝልዓለ ወነ  ብምትሕግጋዝ ዳግማይ ታሪኽ ክሰርሕ እዩ ክብሉ ኢማማትን  ኣመሓደርቲ መሳጊድን ከተማ መቐለ ገሊፆም ፡፡

እቶም ኢማማትን ኣመሓደርቲ መሳጊድን በዓል ዒድ እንትነኽብር ሃይማኖት ከይፈለና ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ድማ ኢሎም ፡፡

ተከተልቲ እምነት እስልምና ፆመ ረመዳን ንዝዓረቐን ዝጠመየን ብምሕጋዝ ብዝልዓለ ድምቀት የሕልፉዎ ከምዝነበሩን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኣጋጢሙ ብዘሎ ክባን ዕፅዋን ኣመንቲ ተፀግሞም የሕልፍዎ ከምዘለዉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣመሓደርቲ መስጊድ ኣንዋርን መስጊድ ቢላልን  ገሊፆም ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ፀገም ራህዋ ከምዘሎ ኣሚኑ ብሩህ ተስፋ ሰኒቑ ብዝልዓለ ወነ ምትሕግጋዝ ታሪኽ ክሰርሕ ከምዝግባእ እቶም ኣመሓደርቲ መሳጊድ ሓቢሮም፡፡

ድሕሪ ፀገም ራህዋ ከምዘሎ ቅዱስ ቁሪዓን ከምዝመሃረና ህዝቢ ትግራይ እውን ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ፀገም  ዝወፀሉ እዋን ቀረባ ምኻኑ ኣሚኑ ባዕሉ ንባዕሉ ክትሓጋገዝ ይግባእ ዝበሉ ድማ ኢማም መስጊድ ቢላል ሸኽ ሲራጅ ሙስጦፋ እዮም  ፡፡

እቶም ኢማማትን ኣመሓደርቲ መሳጊድን በዓል ዒድ እንትነኽብር እውን ሃይማኖት ከይፈለና ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው