ኢትዮ-ቴሌኮም ድጅታል ቁጠባ ንምዕባይ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታዉ ምፅንሑን ሕዚ ድማ ኢትዮ ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣብ ትግራይ ዝልዓለ ተጠቀምቲ ዳታ ዝርኣየለን ከተማታት መቐለ ፣ ኣክሱም ፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ሽረን ዓድዋን ዝልዓለ ፍጥነት ዘለዎ ግልጋሎት ራብዓይ ወለዶ ኔትወርክ (4G) ከምዝጀመረ ኣብኢትዮ-ቴሌኮም ዳይሬክተር ሪጅን ሰሜን ኣይተ ሙሉ ወልደስላሴ ገሊፆም ፡፡

እቲ 4G ኔትወርክ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝገለፁ ኣይተ ሙሉ እዚ ኔትወርክ ምጅማሩ ድማ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፀገም ኢንተርኔትን ዳታን ዝፈትሕን ኢሉ እውን ተጠቀምቲ ኣብ ገዝኦም ብገመድ ኣልቦ (ዋየርለስ) ክጥቀምሉ ዘኽእልን ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ተጠቀምቲ 2Gን 3Gን ኔትወር ናብ 4G ንምቕያር ሙሉእ ብሙሉእ ብሞባይል መልእኽቲ ናብ ተገልገልቲ ከምተልኣኸን ኮይኑ ግና ሲም ካርዶም ዘይተቐየረ ተገልገልቲ እንተልዮም ኣብ ቀረብኦም ዝርከብ ኢትዮ ቴሌኮም ብምኻድ ብነፃ ብምቕያር ተጠቀምቲ ራብዓይ ወለዶ ኔትወርክ (4G) ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣይተ ሙሉ ሓቢሮም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው