Home ዜና ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

363

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ብልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ቅርሺ ሓደሽትን ነባራትን መሰረተ ልምዓት ከምዝህነፅ ሓላፊ እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣይተ ሙኡዝ ኣፅብሃ ገሊፆም።

እቲ ዝተመደበ በጀት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ገበርቲ ሰናይን ዝተረኸበ ከምዝኸነን ካብቶም ዝህነፁ ፅርግያታት እቲ ሓደ ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባውን ተፈጥራዊ ፀገማት ዝርከብ ወረዳ ኢሮብ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

እቲ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ጫፍ ዶብ ዝርከባን ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዝወደቓን ወረዳታት ትግራይ ዝሓውስ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሙኡዝ ኣፅብሃ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ብህፁፅ ክለቅቕ ድማ ፀዊዖም፡፡

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ኪሎሜትር ንውሓት ዘለዎን ፕሮጀክት ኣኽሱም ነበለትን እንትጮን ዝሓቁፍ መስመራት ፅርግያ ከምዝፀገነን ይዝከር፡፡

ብኤፍሬም_ረደሀይ