Home ዜና ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ

ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ

301

 ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ከምዘፅደቐ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ትማሊ 07 መጋቢት 2016ዓ.ም ኣማስዩ ዝተወደአ ኣኼባ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብዝርዝር ተመያይጡ ከም ዘፅደቐ እቲ ቤት ፅሕፈት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ረቂቕ ደንቢ ንምድላው ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ትካላትን ሓሳብ ዝእክብን ዝውድብን ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ወዲቡ እናሰርሓሉ ከምዝመፀን እቲ ካብኔ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብዕምቆት ብምርኣይን ንጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ምምሕያሻት ገይሩ ከም ዘፅደቖ ሓቢሩ።

እቲ ደንቢ ንምድላው ነዊሕ እዋን ከምዝወሰደ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብ ተግባር ክሰጋገር ብምውሳን ብሓላፍነት ዘተግብር መጣየሺ ከሚቴ እውን ምስያሙ ኣፍሊጡ።

እቲ ካውንስል ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሓሸ መንገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ኩሎም ሓሳባት ትግራይ ዝስምዕሉ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ጉዕዞ ዴሞክራታይዜሽን ትግራይን ህዝባን መሰረት ከንፅፍ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እውን ተነቢርሉ እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ መሰረታዊ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምትግባር ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድምፂ ብዝግባእ ክስምዑ ምግባር ኮይኑ ኣብ ገለ መዳያት ንመንግስቲ ካብ ምምኻር ሓሊፉ ናይ ውሳነ ሓሳባት ዝቕርበሉ፤ ኣብ ገለ ትካላት ድማ ውሳነታት ዝህበሉ መስሪሕ ከምዝተዘርግሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ ክብል ቤት ፅሐፈት ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣብ ድሕረ ገፁ ዕላዊ ገይሩ።